ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ መበል 27 ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ክባኽን ዘይብሉ ዕድል የቕርብ! ካርዲናል ፓሮሊን፥ መበል 27 ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ክባኽን ዘይብሉ ዕድል የቕርብ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ መበል 27 ዋዕላ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ክባኽን ዘይብሉ ዕድል የቕርብ!

“ሃገራትን ኣብ መንጎ ወለዶታት ምትሕግጋዝ” ከም ዘድሊ ኣጽኒዖም፥ “ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ንደቅና ሓላፍነት ዝስምዖም ተባዓትን ንቕድሚት ዝጥምቱን ክንከውን ኣሎና”

እቲ ዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣማእኪሉ ዝመክር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ መበል 27 ዋዕላ ካብ ዕለት 6 – 18 ሕዳር ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ምስሪ ካብ ልዕሊ 100 ሃገራት ዝተዋጽኡ መራሕቲ ሃገራት ኣሳቲፉ ኣብ ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ይካየድ ከምዘሎን፥ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝተወከለ ጒጅለ ሃገረ ቫቲካን ይሳተፉ ምህላዉን ብጹዕነቶም ዕለት 8 ሕዳር ኣብቲ ጉባኤ፥ “ንብድሆ ኩነታት ኣየር ንምፍታሕ ኣህጉራውን ወለዶኣውን ምትሕብባር” ከም ዘድሊ ዘጒልሕ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንተሳተፍቲ ናይቲ  መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታን ቅርበትን ደገፍን ምትብባዕን” ኣረጋጊጾም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ባሕሬይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “እቲ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር፥ ግዚኡ ከይኣኸለን ናይ መንእሰይ ወለዶ መጻኢ ንሓደጋ እዚዩ ከይተቓልዔ እንከሎ ንመንእሰይ ወለዶ ግምት ብምሃብ ዝግበር ጭቡጥን ኣርሒቑ ዝጥምት ምርጫታት ኣቢሉ ሓደ ስጒምቲ ንቕድሚት ከብል” ከም እተላበዉ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድስቲ መንበር ቅድሚ 2050 ዓ.ም. እቲ ንከባቢ ኣየር ዝብክል ትፋእ በካሊ ናብ ባዶ ንምውራድ ዝብል ዝተኣትወ ቃል ብተወፋይነት ብውሁድ ስነ ምህዳራዊ ትምህርቲ ኣቢላ ንምድንፋዕ ኣበርቲዓ ከም እትዓዪ ጥራሕ ዘይኮነስ ትዓዪ ከም ዘላ ኣረጋጊጾም፥

ናይቲ ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየር ሰብኣዊ ወጅሂ

ብጹዕነቶም ናይቲ ህጹጽ ከባቢ ኣየር ሰብኣዊ ወጅሂ እተኲይሮም፥ “ብለውጢ ኣየር ዝመጽእ ኩሉ ግዜ ዝያዳ ተደጋጋምን ከቢድን ሰብኣዊ ጽልዋታትት ንምክልኻልን ንምምላስን ብጭቡጥ ስጒምቲ ክንወስድ ግብረ ገባዊ ግዴታ ኣሎና” ኣንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ነቲ ኣሰካፊ ምልክት” ናይቲ “ብለውጢ ከባቢ ኣየር - ዝኽሰት ዘሎ ስደትን ምዝብልናን እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ” ኣስተብሂሎም፡ ሃገራት፥ “ንስርዑን ሕጋውን ዝኸውን ስደት መገድታት ንምኽዋን” ክፉታት ክኾና ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ለውጢ ከባቢ ኣየር ክጽበየና ኣይኮነን

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ ዓለማዊ ፍጻሜታት ከም ለበዳን ኣብ መላኣ ዓለም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታትን ንዕዮ ውድባት መበል 27 ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ ዝጸልዉ ሓደጋታት ምዃኖም ኣጠንቂቖም፡ ስለዚ እዚ ክኸውን ዝፈቕዱ ክንከውን የብልናን፥ ምኽንያቱ ለውጢ ከባቢ ኣየር ክጸበይና ኣይኮነን” ስለዚህ ግዜ ኣይነባኽን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ሃገራትን ኣብ መንጎ ወለዶታት ምትሕግጋዝ” ከም ዘድሊ ኣጽኒዖም፥ “ንገዛእ ርእስና ጥራይ ዘይኮነስ ንደቅና ሓላፍነት ዝስምዖም ተባዓትን ንቕድሚት ዝጥምቱን ክንከውን ኣሎና” ቢሎም ፍራንቸስኮ ነቲ ኣቐዲሞም ኣብ ግላስኮ ንዝተኻየደ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝመኸረ ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ፖለቲካዊ ድሌትና ወይ ብሓባር ንዕንወት ወይ ድማ ብሓባር ንተዓዋትነት ብዝብል ንቕሓት ክምራሕ ኣለዎ” ዝበልዎ ሓሳብ ከም ዘቃልሑ ኣፍሊጡ።

ተወሳኺ ዕድል

ዕላማታት ስምምዕ ፓሪስ ንምዕዋት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣሚኖም፡ ነዚ ንምግባር ዝሕግዝ ግዜ እናሓጸረ ይኸይድ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፥ “መበል 27 ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ተወሳኺ ዕድል ይህበና ኣሎ፡ ስለዚ ነዚ ዕድል እዚ ኣይነባኽኖ” ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበር “ኣብዚ ጉዕዝ ብሓባር ንሓባራዊ ረብሓ ደቂ ሰባትን ብፍላይ ድማ ብስም እቶም ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ሓልዮት ንቕድሚት ንሰጒም” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Nov 2022, 16:08