መፋትሕ ቅዱስ ጴጥሮስ፤ ንቃላት ር.ሊ.ጳ ብቀጻሊ ንምስማዕ ዘገልግል መደብ ፖድካስት ኣብ መርበብ ሓበሬ
ዜና ቫቲካን!
ዓለምና ሎሚ ከም ሓደ ቅሾት ኮይኑ ብመራኸቢ ብዙሓንን ካልእ ዲጂቲላዊ ምዕባሌ ተክኖሎጅን ዝተቀራረበት ትመስል እንተኾነ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ብቀዳምነት ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ‘ጽላሎት ዕጽው ዓለም’ ብዝብል ኣር እስቲ ንሓባራዊ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዝዕንቅጹ ብማለት ካብ ዝዘርዘርዎም ዲጂታላዊ ሓበሬታ ዘስዓቦ ምርሕሓቅን እቲ ወግሔ ጸብሐ ዝጋዋሕ ሓበሬታ ንዕምቈት ፍልጠትን ጥበብን ብቁዕ ከምዘይኮነ ገሊጾም ነበሩ። ኣገልግሎትዚዜና ቫቲካንን ረድዮ ቫቲካንን ምስ ዓለም ዝዋሳእ ድምጺቢቤተክርስትያንን ቅዱስነቶምን ብምዃኖም ንሥልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስጲጴጥሮስ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳ ከምቲ ካል እ ሓበሬታት ኣብ ዋሕዚ ጥራይ ኮይኑ ከይተሰምዔን ብዘይ ፍረን ከይተርፍ እንታይ ምግባር የድሊ ቢሉ ድሕሪ ተዛትዮ ነቲ ብዙሓት ናይ ዘመንና ሰባት ኣብ ባሕሪ ኢንተርነት ኣትዮም ሓንቲ ቃል ወይውን ኣርእስቲ ጥራይ ብምርኣይ ካብ ሓደ ናብ ሓደ እናነጠሩ ምንም ከየዕመቊ ዝጐ ዓዝዎ ዘይኮነስ በብቁሩብ ብመሳጢ መንገዲ ንቃላት ቅዱስነቶም ከምዝስምዑ ንምግባር ናይ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጥራይ ዘይኮነ ኸኣ ቅድሚኦም ናይ ዝነበሩ ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት ቃላት እውን ከይተረ ናብ መፈትሕ ለዊጦም በብቁሩብ ብቀጻሊ ከቅርብዎ እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ ምስፋሕ ኣፍልጦ ን ኣመንትን ዘይ ኣመንትን ናይ እምነት ትምህርቲ በብቁሩብ ዝቀስሙሉ ይኸውን፡ ከም መኽፈቲ ከኣ ሠለስተ ቃላት ር.ሊ.ጳ መሪጾም ሠለስተ ሓጸርቲ መደባት ኣሰናድዮም ተበጊሶም።
ሠለስተ መደባት ብሠለስተ ቃላት!
ነዚ መደብከስ በታ ኣብ ኩሉ ዓለም ብኩሉ ቋንቋታት ከም መፍትሒ ኩሉ መዓጹ መራኸቢ ብዙሓን እንጥቀመላ ብቋንቋ እንግሊዝ ፓስዎርድ እትብል ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ 5 ጥቅምቲ 2022 መመያ ብዝምልከት ኣብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተጠቅሙላ ቃል ከም መበገሲት ተወሲዳ። ኣብ ዘተ ኣብነትን ምሳሌን እንክትጥቀም ካብ ብዙሕ ቃላት ምድርዳር ሕጽር ብዝበለ መል እኽቲ ንምትሕልላፍ እንክኾን እዛ መብዛሕት ኡ ኣብ ኮምፕዩተር እንጥቀመላ ፓስዎርድ እትብል እውን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ምናዳ መመያ ኣብ እነካይደሉ ናይ ነፍስና ፓስዎርድ ሃሰስ ምባልን ምክንኻኑን ብምሥጢር ም ዕቃቡን ንዝምልከት ነጥብታት ወሲኽካ ዓቢ ዘተ ተክኖሎጅን ንባበ መለኮትን ክኽፈት ይከኣል፤ ድሕሪ ሶሙን ናይታ ትምህርቲ ገና ብዛዕባ መመያ ኣስትንትኖኦም ኣብ ዝቀጸሉሉ ሃረርታ ወይውን ድሌት ምናዳ ከኣ ንጐይታ ናይ ምርካብ ሃረርታ እትገልጽ ዝቃጸል ድላይ እውን ከም ካል አይቲ ቃል ተመሪጻ፤ ከም ሳልሰይቲ ቃል ከኣ ካብ ሓውጾተ ኖልዎ ባህረይን እንክምለሱ ንጋዜጠኛታት ሓደራ ዝበልዋ ሰላማውያን ወይውን ገበርቲ ሰላም ንክኾኑ እትዕድም እንተኾነ እዛ ቃል እዚኣ እውን ብሰላማዊ ምንቅስቃስ ዝብል ብዙሕ ጸገም እኳ እንተለዋ ናብ ታሪኽ ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ዓበይቲ ውግኣትን እንተተመልከትና ቅዱስነቶም ንባዕሎም ውግ እ ኡክራይና ገና ከይጀመረ ሰላም ክብሉ ዝገዓሩን ገና ዝግዕሩ ዘለውን እዮም፤ ኣብ ውግእ ኣመሪካን ኢራቅን ንበይኖም ኣይፋል ንውግእ ክብሉ ዝተቋወሙ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እውን ይዝከር።