ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ 

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፥ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ክፉትን ግልጽን ሕውነታውን ተኻፍሎነትን ሰፊሕ ባይታ ክረክብን እዚ እውን እተቐልቀለ ምድንጋራት ኣብ ግምት ብምእታው

ዕለት 18 ሕዳር ኣብ  መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣባላት ኣባ ሃገረ ቫቲካን ክሌኣዊ ርክብ ከም እተኻየደን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኣገዳስነት እቲ ርክብ ኣብ ፍልልያት ህልውነት ተኻፍሎነትን ሓድነትን ዘረጋግጽ ህሞት እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጹን ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ባትዚንግ እውን ብወገኖም፥ ናይ ጀርመን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንህዝበ እግዚኣብሔርን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝፈጠሮ ስቓይ ጽን ካብ ምባል ዘአንፈተቶ ሲኖዳዊ ኪደት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 18 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሮማ ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ስነ ኣበው ቤተ ክርስቲያንን ቲዮሎጊያ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ተቕዋም ኣጎስቲኒያኑም ኣብ መንጎ ገለ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ 66 ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣባላት ርክብ ምክያዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ናይ ሓባር መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ መርሓ ግብሪ ዝነበረን ብሓባር ሲኖዳዊ ኪደት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ንምስትንታንን ኣብ ጀርመን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እውን ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ተመሪሑ ከም እተኻየደን፡ ብጹዕነቶም፥ ኪደት ሲኖዳውነት “ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ ግን ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነ ሕዳሴ” ዝብል ከበራብሮ ዝኽእል ሓደጋ ኣሎ” እንክብሉ ስክፍታኦም ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ

ኣብ መኽፈቲ እቲ ርክብ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ሊምበርግን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ገዮርግ ባትዚንግ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ንህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምስማዕን ገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፈጸመዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጠሮ ስቓይን ጽን ኣብ ምባል ዝተመርኮዘ ሲኖዳዊ ኪደት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን” ዘማኣከለ ሰፊሕ መብርሂ ከም ዝሃቡን፥ ኣስዒቦም እውን ናይ ጀርመን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፥ ዛዕባ ሓላፍነትን ተኻፋልነት ስልጣንን ኣብ ቤተ ክርትያንን ሓባራዊ ተሳትፎን መደብ ልኡካነ ወንጌላውነትን  ኣብ እዋናዊ ኩነት ህልው ህይወት ካህናትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ጽሕፈት ኣገልግሎትን ሓላፍነትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝንበር ፍቕርን ከልእ መሰል ዛዕባታት ኣማእኪሉ ከም ዝዘተየን ኣተሓሒዞም እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ክካየድ ምውሳኖምን ናይዚ ሲኖዳውነት መስርሕ  ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ዝሃብዎ መርሕ ሓሳብ ተመስሪታ እተካይዶ ዘላ ሲኖዳውነት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ

ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረርን ናይ ብጹዓን ጳጵሳት ጒዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለትን እውን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ብዛዕባ እቲ ምስ ኣገባባት ዝተኣሳሰረ ስክፍታታትን ዕቃበታትን ብግልጽን ብንጹርን ሰፊሕ ትንተና ከም ዝሃቡሉን፡ ከምኡ እውን ትሕዝቶን እማመታትን መገዲ ሲኖዶስ፥ ንረብሓ ሓድነት ኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ወንጌላዊ ተልእኾኣን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ዝተቐልቀሉ ሕቶታትን ዘማእከለ መብርሂ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ

ድሕሪ ዝተሰምዑ መደረታት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ጀርመን ከምኡ እውን ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ገለ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍቲ ርእይቶን ሕቶን ቀሪቡን ብፍላይ ኣገዳስትን ህጹጽን ዝኾነ መሓውራት ቤት ክርስቲያንን ዝውከሱ ቅዱስ ምስጢረ ኣገልግሎትን ሱታፌ ኣብዚ ቅዱስ ምስጢረ ኣገልግሎትን ክርስቲያናዊ ስነ ሰብእን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ዓሚቝ ዘተ ምክያዱን ኣዚ ዅሉ ኪደታት እዚ እውን ማእከልነት ኣስፍሆተ ወንጌልን ተልእኾን ዝሕብርን ኵሎም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ጉዕዞ ቤተ ክስርቲያን ጉዕዞ ቅዱስን ዓቃልን ህዝበ እግዚኣብሔር ምዃኑን ንሳቶም እውን ኣካል ናይዚ ጒዕዞ እዚ ከም ዝኾኑ ክስትውዓልን ክንበርን ዘለዎ ምዃኑ ከም ዘነጸሩ ኣብቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ ምህላዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፥ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ክፉትን ግልጽን ሕውነታውን ተኻፍሎነትን ሰፊሕ ባይታ ክረክብን እዚ እውን እተቐልቀለ ምድንጋራት ኣብ ግምት ብምእታው ተወሳኺ ምስትንታትን ምስማዕን ጽን ምብህሃልን ዘተባብዕ ምዃኑን ኣገዳስነት ሲኖዳውነት ንዝሓለፈን ንዘሎን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ብድሆታት ንምስናፍ ቤተ ክርስቲያን - ህዝበ እግዚኣብሔር ዘመላኽቶ ወሳንን ኣገዳስን ኪደት ምዃኑ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ ከም ዘሎን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መዛዘሚ እቲ ርክብ ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ሲኖዳዊ ኪደትን ሲኖዳዊ ኪደት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምምሕያሽ ኣበርክቶ ምእንቲ ክህሉ ኣብ ዝመጽእ እዋርሕ ክፉትን ግልጽን ጽን ምብህሃልን ምስማዕን ባይታ ዝገበረ ሓባራዊ ምይይጥ ክካየድ ምዃኑ ገሊጾም፥ ስለ እቲ ዝተኻየደ ኣድላዪን ሓናጽን ንጽጽር ዘለዎም ሞሳ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
ሲኖዳዊ ጉዕዞ፥ ርክብ ጳጳሳት ጀርመን ምስ ናይ ቅድቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓላፍቲ
19 November 2022, 16:13