ድለ

ጋላገረ፥ ዘኽፍል ዋጋ የኽፍል ሰላም ብዘተ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ጋላገረ፥ ዘኽፍል ዋጋ የኽፍል ሰላም ብዘተ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል 

ጋላገረ፥ ዘኽፍል ዋጋ የኽፍል ሰላም ብዘተ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቤተ ክርስቲያን ንሰላም ተወፋይነት እትነብር እያ”

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር እቲ ዕለት 25 ሕዳር ናብ ዝተዛዘመ ናይ መላእ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ጒባኤ ኣብ ሮማ ዘካየዶ መበል 98 ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ዘተ ግርጭታት ንምፍታሕ ውግእ ምንጻግን ዘኽፍል የኽፍል ዘተ ናብ ነባሪ ሰላም ንምብጻሕ ዘኽእል እንኮ መገዲ ምዃኑ ብኣጽንዒት ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኲናት ብዓንተውኡ ንምክልኻልን ንምውጋድን ዝከኣል ንሓደስቲ ወለዶታት ማሕበራዊ ምዕባለ ብምስፋሕ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ገሊጾም፥ ኣብቲ ነቲ ዓውደ ጒባኤ ዕለት 24 ሕዳር ንኸበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነባሪ ሰላም ብዘተ ጥራሕ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ፥ “ኵላትና ኣሕዋት፥ ኣንጠረይናታት ሰላም ንኽንከውን ዝተጸዋዕና” ኣብ ትሕዚ ዝብል መርሕ ቃል ዝተኻየደ ኮይኑ፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣህዋት” ብዝብል ኣርእሲ ዝለገስዎ 225 ሕጡብ ጽሕፉ ዝሓዘ ዓዋዲ መልእኽቲ ድሕረ ባይታ ዝገበረ፡  ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋሕ ቤተ ክርስልቲያን ዘለዋ ተወፋይነትን መላእ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቑፍ ጉባኤ (ከምኡ እውን እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ገዳማትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራትን ደቂ ኣንስትዮ ላዕለዎ ኣሕሉቕ ጒባኤ) ዘካየዶ ዓውደ ኣኼባ ሓባራዊ ተወፋይነት ንሰላምን ፍትሕን ቅንዕናን ዘተባብዕን ኣብዚ መዳይ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘተሓሳስብ ክኸውን እንከሎ፥ ብጹዕነቶም “ፍኖተ ሰላም ንኽፉት ኣቝሳል ፈዋሲ፥ ዝተሓደሰ ርክብ፡ መስርሕ ፍወሳን ንምጅማር ብትብዓትን ብመሃዝነትን ድልዋት ዝኾኑ ገበርቲ ሰላም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን የድልዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰላም ንምርግጋጽ ፍጹም ምንጻግ ኲናትን ዘተን ይጠልብ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቤተ ክርስቲያን ንሰላም ተወፋይነት እትነብር እያ” ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎ ስሻድሻይ ሰላም ንምርካብ እንኮ መገዲ ዘተ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡን ሎሚ እውን እንተኾነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፖለቲካዊ ስነ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድራዊ ኩነታት እንኮላይ፡ ነቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ “ናይቲ ተገማሚዑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኲናት ዝፍታሕ ብዘተ ጥራሕ ምዃኑ ይገልጹን ንዘተ ጻውዒት የቕርቡን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላም ግርጭት ዘይምህላው ማለት ኣይኮነን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ሰላም ንምርግጋጽ ቅድሚ ኩሉ ንኲናት ፍጽም ምንጻግን ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ዘተ ምድላይን ዘመልክት ኮይኑ፡ ናብ መጻኢ ዝወስድ መገዲ ዘረጋግጽ ዝዓቢ ምትእምማን ዘቕውም ሃዋህዉ ንምፍጣር ይሕግዝ” ቢሎም፡ ብተመሳሳሊ፥ “መሰረታት ሰላም ንምርግጋጽ ኣድላዪ እዩ፡” ኮይኑ ግን “ሰላም ግጭታት ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መገዲ መፍታሕ ዝብል፡ መሰል ናጽነት ሕልና ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ሓዊሱ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ዝዓለመ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን

“ሕብረት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ገዳማትን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን” ጳጳሳዊ በዓል መሰል ዘለዎ ናይ ኵሉ ማሕበራት ውፉያንን ኣገልግሎት ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተቕዋማትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝጥርንፍ ኣህጉራዊ ማሕበር ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ 1952 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ማሕበራት ተመክሮን ሓበሬታን ንምልውዋጥ ዝድግፍ፡ ”ህይወትን ተልእኾን ናይተን ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝዋፈራ ውልቀ ማሕበራት ርክብ ንምድንፋዕን ስሉጥን ውጽኢታውን ምትሕብባር ክህልውን ምስ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓዋርያዊ ኣርካናት ተኣማኒ ርክብን ንኽህሉ ኣሚቱ ዝቖመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 November 2022, 15:44