ጋላገር፥ ‘ሕጻናት ድሕሪት ኣይትሕደግ’ ማለት ወትሩ ረብሓ ሕጻናት ምድላይ ማለት እዩ!
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ኣብ ኡዝበኪስታን ዋዕላ “ዓለም ለኸ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ “ክንክንን ትምህርትን ብኣጋኡ ንሕጻናት” ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ቅድስቲ መንበር ኣብ ኵለንተናዊ ምሉእ ዕብየት ሕጻናት ትዋሳእን ትድግፍን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ክንክንን ትምህርትን ንሕጻናት ብኣጋኡ” ኣብ ዝብል ዛዕባ ካብ ዕለት 14 – 16 ሕዳር ኣብ ኡዝቤኪስታን ርእሰ ከተማ ታሽከንት ኣብ ዝተኻየደ “ዓለም ለኻዊ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ በቲ ብዓለም ደረጃ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ኣስታት 20 ሺሕ ዝኾነ መዕቆቢ ዘኽታማትን ኣካላውን ስነ ኣእምሮን ንጽሕና ቆልዑ ንምክልኻልን ንምሕናጽ ኣብ ምሉእ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብይነት ኣበርክቶኣ ገሊጾም፡ እዚ እውን “ዝኾነ ቈልዓ ድሕሪት ከይተርፍ ወይ ከይሕደግን” ንምርግጋጽ ዝዓለም እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይተን ኣባይቲ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጻዕርታት ንኣዋልድ ትምህርቲ ዘስፍሕ ጎደና ሓደር ሕጻናት ስንኵላን ሕጻናት ክብረቶም ክሕለወሎም ክምለሰሎምን ንምክንኻን ንኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ንጽሕና ቈልዓ ዝድርኽ ስልጡን ባህሊ ዘስፍሕን ዘስርጽን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንረብሓ ኩሎም ቈልዑ ምድላይ
ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ዋላ ሓደ ቈልዓ ድሕሪት ከይሕደግ ምዕያይ ንረብሓ ኵሎም ቈልዑ ምድላይ ኣብ ምዉቕን ፍቕራውን ሃዋህው ክመሃሩን ክፈጥሩን ክሓስቡን ምስ ካልኦት ክራኸቡን የኽእሎም” እንክብሉ ቈልዑ ሓደራ ድሕሪት ኣይንሕደጐም እንክብሉ ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ “ስነ ሓሳባዊ ምዝንባላት ንረብሓ ናይ ሕጻናት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትው ከም ዝኽእል ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ዝኽፍታ ገሊጾም፡
ተራ ወለድን ኣባይቲ ስድራን
“ሓልዮት ሰናይ ህይወት ህጻናት ካብ ተሳትፎን ስንዮታን ወለዲ ብፍላይ ኣዴታት ዘይፍለ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ “ስድራ ቤት ከም ቀንዲ ቦታ ትምህርቲ ብኣጋኡ ንቈልዑ ብምዃኑ፡ ንኣባይቲ ስድራ ዝወሃብ ሓገዝ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ኣረጋጊጾም፥ “መንግስታት ነቲ ዘይንጽል - ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብአዊ ዕብየት ቈልዑ፥ ዝምችእ ኣካላዊ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን መንፈሳውን ኵነታት ውሕስነት ክህቡ ግዴታ እዩ፡” ቢሎም ብተመሳሳሊ እዋን ድማ ቤተ ክርስቲያን፥ “እቲ ሓቀይና ድሌታት ህጻን ምሉእ ብምሉእ ምስ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ብዘጠዓዕም ኣገባብ ምስ ካልኦት ብቑዓት ትካላትን እኮላይ ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበራት ክትሓበሩ ኣገዳስን ኣድላዪን ምዃኑ ኣርጊጻ ተተሓሳስብን ተዛኻኽርን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።