ቅድስቲ መንበር ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊ ካርዲናል ሪካርድ ሰነድ መባእታዊ መርመራ ትኸፍት
ካርዲናል ሪካርድ ቅድሚ 35 ዓመት ካህን ኣብ ዝነበርሉ እዋን “ኣብ ልዕሊ ጓል 14 ዓመት ዕድመ ዝነበራ ቈልዓ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ባዕሎም ንናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተኣሚኖም ናይ ንስሓን ምሕረትን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ እንክዝከር ብዛዕባ እዞም ሎሚ 78 ዓመት ዝዕድመኦም ካርዲናል ዝፈጸመዎ ግህሰት ቅድስቲ መንበር ውሽጣዊ መባእታዊ መርመራ ክትጅምር ምዃና ናይ ቅድስት ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 11 ሕዳር ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካርዲናል ሪካርድ ቅድሚ ሳላሳን ሓሙሽተን ዓመት ካህን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ኣባል ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝመርሕዋ ናይ ዝነበረት ቁምስና ኣባል “ዘውቅስ ኢግብረ ገባዊ ተግባር” ፈጺመ እንክብሉ ባዕሎም ንናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ዝፍጸም ግህሰት ንዝምርምር ሽማግለ ብዝሃብዎ ቃለ ኑዛዜ ከም ዘቕረቡን፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ካብ 2001 – 2007 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ካርዲናል ዣን ፒየር ሪካርድ ናይ ቦርዱክስ ልሂቅ ጳጳስ ቅድስቲ መንበር ውሽጣዊ መባእታዊ መርመራ ክትጅምር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መባእታዊ መርመራ
ኣብ ዝሓለፉ ማዕልታት ዝተቐልቀሉ ባእታታትን ባዕሎም ካርዲናል ዣን ፕየር ሪካርድ ቅድሚ 35 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብት እዋን ጓል 14 ዓመት ዝነበረት ሕጻን ኢግብረ ገባዊ ተግባር ፈጺመ እንክብሉ ባዕሎም ዝሃብዎ ቃል መሰረት፡ ቅድስቲ መንበር ውሽጣዊ መባእታዊ መርመራ ክትጅምር ከም ዝወሰነትን ነዚ ጒዳይ እዚ ዝፍጽም ብቑዕን ዝምጥንን ሰብ ንኽትምድብ መጽናዕቲ ትገብር ከም ዘላ ሓቢሮም፡ ናይ መንግስቲ ፈረንሳ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እውን ነዚ ክሲ ዝምልከት ክፉት መዝገብ ከም ዘለዎ ናይ ቅድቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሪኑ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ቅድስቲ መንበር ነዚ ጒዳይ እዚ ብምሉእ ክትምልከቶን ክትምርምሮን ምሉእ ክትገብሮን መታን ካብቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ዝከታተል በዓል መዚ ናይ ፈረንሳ በርገሳዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘድሊ ሰነዳት ክትሓትት ምዃና እውን ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ቃል ካርዲናል ሪካርድ
ባዕሎም ካርዲናል ሪካርድ ብናጻ ፍቓድ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣብ 1980 ዓ.ም. ንሓንቲ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ህጻን ከም ዝዓመጹን እዚ ቃል እዚ እውን ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሉርድስ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ 1950 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ብገለ ገለ ካህናት ዲያቆናትን ዓለማውያን ምእመናንን ዝተፈጸመ ግህሰት ጒዳይ ዝምልከት ዘውጸኦ ሰነድ ብናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ረምሰ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤሪክ ደ ሞሊንስ ቢውፎርት ተመሪሑ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ እውን ከም እተመልከተን፡ ካርዲናል ሪካርድ ንፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሃብዎ ቃለ ኑዛዜ ብናይ ፈርንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ደ ሞሊንስ ቢዮፍርት ወግዓዊ ከም ዝኾነን፡ ቅድሚ 35 ዓመት ካህን ኣብ ዝነበርሉ እዋን “ኣብ ልዕሊ ጓል 14 ዓመት ዕድመ ዝነበራ ቈልዓ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ተኣሚኖምን፥ እዞም ሎሚ 78 ዓመት ዝዕድመኦም ካርዲናል ነተን ሎሚ ዓባይ ሰበይቲ ዝኾናን ንመላእ ኣባይቲ ስድአአን ይቕረታ ከም ዝሓተቱን ንጸሎትን ንስሓን ናብ ብሕትው ህይወት ከብሉ እውን ምዃኖም ባዕሎም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ሕዳር ኣብ መኽፈቲ ናይ ፈረንሳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጒባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ፈረንሳ “ጽንኩር ህሞት ኣብ ዝገጥምሉ ዘለውሉ እዋን “ተስፋ ከይቆርጹ” እንታይ ደኣ “ጠመተኦም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ኣተኲይሮም ከጽንዑ” ዓዲሞም፥ መንፈስ ቅዱስ እውን ንጻዕርታትኵም ከም ዘሰንዩ ርግጸይና እየ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።