ፓሮሊን ኣብ ቅዳሴ ንዩክሬይን፥ ‘ጎይታ ከተንስኦ ዘይክእል ኵነታት የለን’
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 17 ሕዳር ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ዩክረይንን ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ጐይታ ካብ ሞት ዘየተንስኦ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ኵነታት የለን” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ ወርሒ ለካቲት ኣትሒዙ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዘንቀለቶ ብዙሕ ሞትን ስቓይን ስደትን ዕንወትን ዘስዕብ ኵናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 17 ሕዳር ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ፥ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ዩክረይንን ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘጋብአ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፡ ብጽዕነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ውግእ ከብቅዕ ጸልዮም “መንፈስ ኣምላኽ ከተንስኦ ዘይከኣሎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኩነት የለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
መገዲ ዳግመ ሕንጸት
ጎይታ ካብቲ ዕጥቃዊ ግጭት ሓራ ከውጽኣና ንጸሊ - እግዚኣብሔር ኵሉ ሰብ ብስኒት ክነብር እዩ ዝደሊ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ነንሓድሕዱ ክቀታተል ዘይኮነስ ብሓባር ክዓቢ ክተሓጋገዝ እዩ፡ መለኮታዊ ድሌት “ሓቀይና ሰብኣዊ ሕውነት” እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዓንኬል ዓመጽ ንምብታኽ ድልውነት
ህዝቢ ንቒምታ ዕድል ከይህብ ብጹዕነቶም ተማሕጺኖም፥ ኢየሱስ እታ ካልአይቲ መትልሕካ እንክብል ካብቲ ዓይን ክንዲ ዓይኒ ስኒ ክንዲ ስኒ ዝብል ኣመለኻኽታ ክንላቐቕ ይዕድመና - እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ናይ ኢፍታሓውነት ግዳያት ዝኾኑ ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል፡ . . . ነቲ ናይ በደልን ዓመጽን ዓንኬል ንምብታሕ ኵሉ ክተሓባበር ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጥኻ ክፋእ ከይዓቢ ምጥንቃቕ
እግዚኣብሔር ንቑሓት ክንከውንን ንቑጥዐ ኢድና ከይንህብ ይዕድመና፡ ካብቲ ክዕብልለና ዝደልይ ገዛእ ርእስኻ ምክልኻል ቅኑዕ ምዃኑ ከም ዘለዎ ኮይኑ - ግዳማዊ ክፋእ ከብቅዕ ጽቡቕ ድላይ ዘለዎምን ኣብ ውሽጥና ክፋእ ከይዓቢ ዝደልዩ ንቑሓት ንዅን” ኢየሱስ፡ ኣብቲ ካልኦት ሞት ዝዝርግሕሉ ዘራእቲ ህይወት ክንከውን” ንሱ ይሕግዘና - ናይዚ ኣብነት እውን ንሱ እዩ!”
ምድረ በዳ ናብ ልሙ ሻካ ዝልውጥ ኣምላኽ
“መንፈስ ኣምላኽ ከተንስኦ ዘይከኣሎ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኩነታት የሎን። ምእንቲ ሰላም ጸሎትና ኣብዚ ሓቂ እዚ ዝተሰረተ እዩ - ቢሎም - ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክሬይን ኲናት ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ጻውዒት ሰላም ከቕርቡ ንሰላም ክጽልዩን ኩሉ ምእንቲ ሰላም ክጽልይን ክምዕዱ ጸኒሖም እዮም፡ ቅድስቲ መንበር እውን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ምእንቲ ክረጋገጽን መገዲ ዘተ ክረውህ በመሰረት ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ዝከኣላ ኵሉ ትገብር ሕጂ እውን ከምኡ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።