ድለ

ካርዲናል ክራየውስኪ፥ ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ክንክን ክግበረሎ ኣለዎ ይብሉ ካርዲናል ክራየውስኪ፥ ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ክንክን ክግበረሎ ኣለዎ ይብሉ  (ANSA)

ካርዲናል ክራየውስኪ፥ ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝያዳ ክንክን ክግበረሎ ኣለዎ ይብሉ

ድኻታትን ስኡናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ግዳም ሓደርን ምግልጋል ናይ ክርስቶስ ይገብረና፡ ንድኻታት ሓለፋ ዘይብል ዓይነት ምንባር ክርስትና ናይ ሓሶት እዩ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣትሒዙ ኣብ ሮማ ከተማ ብዘሎ ቁርን ዝናምን ምኽንያት ናብ ዕለት 26 ሓዳር ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሞይቶም ዝተረኽቡ ጀርመናዊ ግዳም ሓደር ቡርክሃርት ሸፍለር ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ኣቕሪቦም ንዅሎም ግዳም ሓደርን ኣልቦ ቤት ንኽኹኑ እተገዱንን ድዩ ምርጫኦም ዝገበሩን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቆላሕታ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም ምእመናን ምእንቲ ኩሎም ግዳም ሓደር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክጽልዩን መዕቆቢ ክረኽቡ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ዝከኣሎ ኪገብር ሓደራ ከም ዝበሉ ዝዝከር ኮይኑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ጒዳይ እዚ ኣማእኪሎም ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ገበዝ ብጹዕ ካዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ፥ ምዝ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቶም ህይወቶም ዝሓለፈ ወዲ 61 ዓመት ጀርመናዊ ግዳም ሓደር ሓው ካብቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ካብ ዝእለዩ ሓደ ምንባሮምን ቅድሚ ሕልፈቶም እውን ነቲ ዝነበረ ብርቱዕ ቁሪ ኣብ ግምት ብምእታዊ ዝሓድርሉ ቦታ ተዋሂብዎም ከም ዝነበረን ኣይደልን ኣብ ጎደና ንኽነብር መሪጸ እየ ቢሎም ከም ዝመለሱን ይዅን እምበር ብዛዕባ እዚ ህልው ኵነታት ግዳም ሓደር ኣሕዋትና ኣሓትን ምኽንያት ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም ዝመኸሩን ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግዳም ሓደር ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም።

እቶም ኣብ ሮማን ከባቢኣን ዝርከቡ ግዳም ሓደር ብናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት ብጳጳሳዊ ቤት ምጽዋት ዝሕገዙ ከም ዝኾኑን መብዛሕቲኦም እውን ካብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ህይወት ማለት ግዳም ሓዳር ካብ ምዃን ንኽላቐቑ ሓገዝ ይግብረሎም እዩ፥ ገሊኣቶም ግዳም ሓደር ምዃን ከም ናጻ ምርጫኦም ገይሮም እዮም ዝነብርዎ፡ ስለዚ ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ዝወሃብ ሓገዝ እውን ኣሎ፥ ገሊኣቶም ሕራይ ይብሉ ገሊኣቶም ድማ ኣይንደልን ዝብሉ ኣለዉ። ምስ ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛ ብምትሕብባር ዘድሊ መግብን ሕክምናን ነቕርበሎም ኢና።

ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምርጫ ኣይኮነን፥ ቅድም ቀዳድም ብመንጽር ወንጌል ዝፍጸም ኣገልግሎት እዩ፡ ስለዚ ናይ ተልእኾኣ ሕመረት እዩ። ኣብ ሰበኻታት ኢጣሊያ ናይ ቁምስናታት በራት ክፉት እዩ፡ ብጥምየትን ስእነት መግብን ዝመውት ሰብ የሎን፡ ነቲ ንስእነት መግቢ ክቃላዕ ዝኽእልን ዝተቓልዔን ዘድሊ ሓገዝ ካብ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ይቐርብ እዩ፡ ኣብ መእለዪ ድኻታት ክቕመጡ ዘይደልዩ ኣለዉ፡ ኮታ ኣብ ጎደና ምሕዳር ከም ምርጫኦም ገይሮም ዝነብሩ ኣለዉ፡ ንዚኣቶም ካብ ጐደና ንኸተላቕቖም ቀሊል ኣይኮነ፡ ስለዚ ናብቲ ዝርከብሉ ቦታ እናኸድና ንከታተሎምን ዘድሊ ሓገዝ እውን ነቅርበሎም፡ ለይቲ ለይቲ ብዙሓት ወለንተይናታት ውዑይ ነገር መግብን ፈሳስን ሒዞም ኣብ ጐደናታት እናተንቀሳቐሱ ይበጽሕዎም ሕክምና ንዘድልዮም ናብ ኣባይቲ ሕክምና እውን የብጽሕዎም።

ድኻታትን ስኡናትን ህሙማንን ኣረጋውያንን ግዳም ሓደርን ምግልጋል  ቤተ - ክርስቲያን ይገብረና። ናይ ክርስቶስ ይገብረና፡ ንድኻታት ሓለፋ ዘይብል ዓይነት ምንባር ክርስትና ናይ ሓሶት እዩ እንክብሉ ዝካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

28 November 2022, 15:31