ካርዲናል ግረች፥ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዝግበር ዘተ ንመጻኢ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ እዩ
ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽ ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዮም ብመረብታዊ ርክብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ግረች ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም እተኸፍተን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሕዳር ካብቶም ተምሃሮ ዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት ብምስማዐ ርእየት ኣገባብ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መናብርተ ጥበብ ዝተዋጽኡ ተመሃሮ፥ ድልድል ምሕናጽ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፥ ሲኖዳዊ ርክብ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ኣፍሪቃ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሕሳብ ብምረብታዊ ኣገባብ ዘካየድዎ ዓውደ ጒባኤ፡ ነቲ ብናይ ላቲን ኣመሪካ ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ሽማግለ ዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ናይ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ተመሃሮ ዘካየድዎ ዓውደ ርክብ ስዒቡ ዝተወደበ ክኸውን እንከሎ ናብዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ እውን ቅዱስነቶም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
መጻኢ መፍትሒ እዩ
ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ቤተ ክርስቲያን ንመንእሰይ ወለዶ ካብ ህይወታ እንተ ኣለየቶም ናይ ገዛእ ርእሳ ምንባር እያ ንሓደጋ እተቃልዕ፡ ኣብ ልዕሌኣ ሞት እያ ትፍርድ” ቢሎም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ዝሕነጸሉ መሰረት እቲ ኣብ መንጐ ኣረጋውያንን መንእሰያትን ወለዶ ዘሎ ክፉት ዘተን ምትእስሳርን እዩ፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሚም፥ “መንእሰይ ወለዶ ናይ መጻኢ መዓጾ ናይ ምኽፋት ሓይሊ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ኣረጋውያን ወለዶ ድማ ናይ መጻኢ መፍትሒ ኣብ ኢዶም እዩ ዘሎ” እብክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት፡ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ወለዶታት ርክብ እንተ ድኣ ዘይብሎም መጻኢ ዘርህው ሓይሊ ኮነ መጻኢ ዝኸፍት መፍትሕ ክህሉ ዘይከኣል እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።