ቃል ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ዝኽሪ መቕተልቲ ኢየሱሳውያን ኣብ ኤል ሳልቫዶር
ኵለንተናው ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ዝኽሪ ዕለት 16 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ኣብ ሳን ሳልቫዶር ዝተቐትሉ ኢየሱሳውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህይወትን መስዋእትን እዞም ደቂ ማሕበሮም፥ “ተልእኾና የነቓቕሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 16 ሕዳር 1989 ዓ.ም. ምሸት ሽዱሽተ ኢየሱሳውያን ካብ መደቀሲኦም ብዕጡቓት ጉጅለ ኤል ሳልቫዶር ተወሲዶም ኣብ ቀጽሪ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መንበረ ጥበብ ንማኣከላይ ኣመሪካን ኣብ ኤል ሳልቫዶር ዝተቐትልሉ ዝኽሪ መበል 33 ዓመት ብጸሎትን መንፈሳውን ባህላውን መደባት ተዘኪሩ ከም ዝወዓለን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኤል ሳልቫድሮ ካብ 1979 – 1992 ዓ.ም. ኣብ መንጐ የማናዊ ፖለቲካ ዘመም ስርዓት ወተሃደራዊ መንግስቲን ናይ ኤል ሳልቫዶር ሃገራዊ ግንባር ሓርነትን ሓድሕድ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፥ ናይቲ መንበረ ጥበብ ዋና ሓላፊ ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ሊቅ ኣባ ኢግናሲዮ ኤላቹሪያ፡ ኣባ ኢግናሲዮ ማርቲን ባሮ፡ ኣባ ሰጉንዶ ሞንተስ፡ ኣባ ኣማንዶ ሎፐዝ፡ ኣባ ኽዋን ራሞን ኣባ ሞረኖ ፓርዶ ከምኡ እውን ናይቶም ካህናት ቤት ኣላይትን መጋቢትን ኤልዳ ሮማኖን ጓለን ጓል 16 ዓመት ሰሊናን ደገፍቲ ብሄራዊ ናጽነት ግንባር ብዝብል ምስምስ ከም ዝቐትልዎም የዘኻኽር።
ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ መርመራታት
እቲ ኣብቲ እዋን ዝተፈጸመ መቕተልቲ ንኣህጉራዊ ህዝቢ ርእይቶ ዓብይ ኣሰንቢዱ’ኳ እንተነበረ፥ መን ቀታልን ተሓታትን ንምጽራይ ዝተኻየደ መርመራ ናብ ሓቂ ገጹ ኣምሪሑ ከምዘይፈልጥን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ 13 ወተሃደራዊ መኮንናትን ነበር ወተሃደራትን ኣብ ስደት ዘለዉን ዝርከብዎም ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት ተሓተቲ እንክብል ፍርዲ ከም ዘመሓላለፈት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
መልእኽቲ ካርዲናል ችዘርንይ
ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ኣብ ዝኽሪ ሰለስተ ዓሰርተታት መቕተልቲ ደቂ ማሕበሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእልኽቲ፥ “ሰማእታት” እንክብሉ ብምዝካር፥ እዞም ኢየሱሳዊ ካርዲናል እቲ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ንሞት ዝዳረገ ውግእን ሕድሕዳዊ ኲናትን ሎሚ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ተገማሚዑ ዝካየድ ሳልሳይ ውግእ ዓለም” እንክብሉ ናብ ዝገልጽድዎ ዓይነት ኲናት ጥርዚ በጺሑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ዕድመ ሕዳሴ
“ኣብ መላእ ዓለም እንተርኢና እዚ ሎሚ ኣገዳሲ ዝኽሪ ሰማዕታት ብሓቀይና ቅሳነትን ሰላምን ከበዓል ዝኽእለሉ ኣህጉር ወይ ዞባ ኣሎ ድዩ? ወይስ እዚ እዋን’ዚ ብዝያዳ ብዙሕ ብድሆታትን ናዕብታትን ዝረኣየሉ እዋን’ዩ?” እንክብሉ ብጹዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሕቶ ብምቕራብ፡ እቲ ኵነት ኣዚዩ ከቢድ እዩ፡ እንተኾነ ግን ተስፋ ዘየቕህም ዝኽሪ እዩ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ምልክታ ዓመጽን ምብትታኽ ሰላምን እኳ ኣንተሀለወ፡ ጐይታ ብመገዲ ሲኖዳውነት ኣቢሉ ንሕዳሴ ይዕድመና - እዚ ሕዳሴ እዚ ብሰማእታት ኣሕዋትና ኣሓትናን ዝተነቃቕሐ ኣብ ትሑት ንግደትን ሓጎስ ዝመልኦ ኣገልግሎትን ሓቀይና ናይ ቤተ ክርስቲያን ህይወት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሰማእታት ሲኖዳውነት የሰብኡ
እቶም ዝዝከሩ ኢየሱሳውያን እውን ኣብነት ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 11 ጥቅምቲ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናይ ዘብዓለትሉ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እያቶም። “ራእይን ተልእኾን ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንምውዳብን መርገጺ ንምግባርን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ብርግጽ ሰማእታት ናይቲ ጒባኤ እቲ ህያብ ምዃኖም ብዓቢ ክብሪ ክንዛረብ ንኽእል . . . ።
ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መልእኽቶም ኣስዒቦም፥ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ህዝባዊ ምዕባለ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝገለጽዎ ሓሳብ ናቱ ገይሩ ዝቖመን ኣብ ቀረባ እዋን ዳግመ ውደባ ዝተገብረሉን ዝተሓደሰን ሕይወትን ኣገልግሎትን ኢየሱሳውያን ኣብ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካን ዝተነቓቕሐ ምዃኑ ገሊጾም . . . ከምቲ ኣብ 1995 ዓ.ም. ዝተኻየደ መበል 34 ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤ ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ፡ ነቶም ሰማእታት ኢየሱሳውን “ህያዋን ጭቡጣት ኣብነት” እንክብል ከም ዝገለጾም እውን ዘኪሮም፡ ንወንጌል ንቤተ ክርስቲያን ስለ ድኻታትን ሂወቶም ዝሃቡ ኣብ ድኽነቶም ንጽሕናኦምን ተኣዝዞኦምን ፈጺማ ኣብ ዘይትርዳእ ዓለም ብትሕትናን ብተኣማንነትን ዝነበሩ ዘገልገሉን ንማሕበሮም ናብዚ ህሞት ዘብጽሑ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።