ካርዲናል ኣዩሶ፥ ዘተ ከም “ህላወኣዊ - ነባራዊ ክእለት”
ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይኽሶት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ኣብ ባሕሬይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዘተ ምክብባር ሕውነትን ሰላምን ዘቃልሕን ዘተሓሳስብን ሓዋርያዊ ዑደት እንክብሉ የንብብዎ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጹዕ ካርዲናል ኣዩሶ፥ ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ንግስነት ባሕሬይን ንድሕሪት ምልስ ቢልና ክንርእዮ እንከለና በርባዕተ መፍትሓውያን ቃላት ዝንበብ ምዃኑን እዚ ኸኣ ዘተ ምክብባር ሕውነትን ሰላምን ዝብል ምዃኑ ደጊሞም ብምዝኽኻር፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ዝምድናታት እስላምን ክርስትያንን ዘሎ ቀጻልነት ዘተ ከምኡ እውን ኣገዳስነት ዘተ ዘተሓሳሰበን ዘተ ነባራዊ - ህላወኣዊ ክእለት ምዃኑ ዘረጋገጸ ዑደት እዩ ኢሎም።
ብጹዕነትኩም ንር.ሊ.ጳ. ኣብቲ መበል 39 ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ባሕሬይን ካብ ዘሰነዩ ሓደ ኢዅም፡ ነዚ ፍጻመ እዚ ብኸመይ ትርእይዎ? ዝኾነ ይዅን ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርዊ ዑደት ኣዚዩ እወታዊ እዩ። ኣብዛ ብግጭትን ዓመጽን እትልለ ዓለምና እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ባሕሬይን ዑደት ብሓቂ ህልው ኵነታት ዓለም ንኸተንብቦን ናበይ ተመስርቕ ከም ዘላ ዘነጽርን ምስረቓአ ክትልውጥ ዝሓንጽ እዩ። ምስ ሰበ ስልጣንን ማሕበርሰብ ክርስቲያንን ዝተኻየዱ ርክባትን ኣዚዩ መሳጥን ሓናጽን ኮይኑ ረኺበዮ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ባሕሬይን ብሔራዊ ናይ ስፖርት ሜዳ ዘዕረግዎ መዋዕተ ቅዳሴ ንቕዱስነቶም ካብ መላእ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ምስ ዝመጹ ማሕበረ ክርስቲያን ንኽራኸቡ ገይርዎም እዩ።
እቲ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተኻየደ ርክብ እውን ከምኡ። እዚ ኵሉ እዚ ድማ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝምነይዎን ዝሕብርዎን ክፉትን ግልጽን ናይ ዘተን ሌላን መድረኽ ዝተነብሮ እዩ። ስለዚ እዚ ሓዋርያዎ ዑደት እዚ ናይ ሕውነት ጉዕዞ እዩ ነይሩ።
ናይቲ ምስ ሃይማኖት ምስልምና ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ትጽቢታቱ ወይ ተስፋታቱ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ሓድሽ ነገር ዘሎ ኣይመለንን ይዅን እበር ቀጻልነት ዘተ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ኣብ ባሕሬይን ኣብ መስርሕ ዘተ ክርስትያንን እስላምን ዝተካየዱ ኣኼባታት ናይቲ ዘተ ናይ ቀጻልነቱ ባእታታት እዩ። እቲ ዘተ ቀጻልነት ዘለዎ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት። ስለዚ ዘተ ነባራውን ህላወኣውን ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ምስ ዓበይቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ቤት ምኽሪ ሽማግለ እተኻየደ ኣኼባ ኣዚዩ መሳጥን ኣገዳስን ኮይኑ ረኺበዮ፡ ምኽንያቱ ንረብሓ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ናይ ሓባር ውጥናትን ኣብ ንሓድሕድና ናይ ምትሕብባር ድሌትን ኣብ ብዙሕነት ናይ ሓድነት መድረኽ ናይ ምፍጣር ድሌት ዘተብዕ እዩ። ናይ ባህሊ ዘተ ኣብ ማሕበርሰባትናን ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ምስልምናን እውን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘነጸረ እዩ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ነቲ ዝጠቐስክምዎ ዘተ ዳግም ተራባሕነቱ ዘነጽር ንኽፉት ዘተ ጻውዒት እዩ ነይሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ምስልምና፡ ኣብ መንጎ ሺዓውን ሱናውን ምቅርራብ ክህሉ ዝላበው፡ እዚ ብሓቂ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ስለዚህ ኣብቲ ናይ ሓባር ዘተ ሓድሽ ነገር እኳ እንተዘየለ እቲ ዘተ ኣገዳስን ቀጻልን ምዃኑ ዘረጋገጽ እዩ። ማሕበራዊ ሕውነት ውሑስ ንምግባር ዝድርኽ እዩ።
ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ተረኺቦም ነይሮም። ስለዚ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ባእታ ነይርዎ ዶ? እወ ብሓቂ ህላወ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እቲ ምርኻቦም እውን ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘለዎም ምሕዝነትን ሕብረትን ዝሕድስ ምልክት እዩ ነይሩ። ናይ ምሕዝነትን ሕውነትን ዓለም ብሓባር ንምህናጽ ዘሎ ክሌኣዊ ድሌት ዝምስክር እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣብ መንጎ ሺዓውን ሱናውን ካልኦት ኣካላት እስላም ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ምስልምና ዝግበር ዘተ የድልየና እዩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ክርስቲያናዊ ዓለም ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ማሕበረሰብ ክርስትያን ናብ ሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ የድልየና እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምርኻብ ክንጓዓዘሉ ዝግብኣና ኣንፈት ዘመልክት ምዃኑ እኣምን። ምሕዝነትን ሕብረትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፓትሪያርክ በርጠለምዎስ ቀዳማዊ ነዚ ኵላዊ ዘተ ንምስፋሕ ዝሕግዝን ዘተባብዕን እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣገዳስነት ዘተ ብዙሕ ኣጽንዒዖም . . . ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንምሕናጽ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ ድዩ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዘተ ተዛሪቦም እዮም ኣገዳስነት ዘተ ከይተሓላሉ ይሕብሩ . . . ዘተ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ሕውነትን ሰላምን ዘተሓሳስብ እዩ። ብሓቂ ኣብ ጐደና ሰላም ክንጓዓዝ እተድኣ ንድለኢ ኴይና ዘተ ምድፍናዕ ክንቅጽል ኣሎና፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ከነስፍሕ ኣሎና፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተገልጸ ሕውነት ከነስፍሕ የድልየና፡ እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ንክጽሕፉን ዘነቓቕሐ እዩ እንክብሉ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጉይኽሶት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 3 – 6 ሕዳር ኣብ ባሕሬይን ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።