ድለ

ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ 

ናይ ሃ. ም. ኣ. ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓንን

ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ናብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ካብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ሓበሬታን ተመክሮን ብዘፈላለየ ቋንቋ ናብ ዓለም ዝዝርግሕ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝሓልይ ላዕላዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ሩፊኒ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ጥቡቕ ምትሕብባር ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ጉዳያት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፥ ኣብ መንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ኣባይቲ ምኽሪ ምትሕብባርን ህንጸትን ድልዱል ምትእስሳርን ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሲኖዶሳዊ መቓርቦ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምዃን

“ከም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መጠን እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ነንሓድሕድካ ሕብረት ምህላው እዩ። ዞባ ኣመሴኣ - ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤን ሮማን ዘሎ ዝምድንታት ዝያዳ ክሕይል ነተባብዕ፡ ምእንቲ ብሓባር ነዚ ምትእስሳር ብዘደልድል ስርዓት ክንሓንጽ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዜና ቫቲካን ብዝጥቀመሎም ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣቢሉ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስን ብመስርሕ ሲኖዶሳውነት  ቤተ ክርስቲያን ምዃንና ከረድእ ከም ዝፍትንን እዚ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ኣብ ሲኖዶሳውነት ምሕያል የድሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዛንታ እምነት ምክፋል

ዶክተር ሩፊኒ ዜና ቫቲካን እምነት ዘካፍል ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ናብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ካብ መላእ ዓለም እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመጽእ ሓበሬታን ተመክሮን ብዘፈላለየ ቋንቋ ናብ ዓለም ዝዝርግሕ ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፡ እዚ እውን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ ዝተፍላለየ ክፋላት ዓለም እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ክፈልጡን ካብቲ ጽቡቕ ዛንታታት ኣብነት ክወስዱን” ዝሕግዝ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

09 Nov 2022, 16:17