ቫቲካን ብምኽንያት በዓለ ዲዋሊ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ
ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ቫቲካን ናይ ሂንዱ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዘብዕልዎ በዓለ ዲፓቫሊ ማለት ዓወት ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት ዘብዕልሉሉ ዕለት ምኽንያት ኣብ ዓለም ሰላም ክረጋገጽ ካቶሊካውያንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱን ብሓባር ክዓዩ ዝዕድም ናይ ርሑስ በዓለ ብርሃን መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ነቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘሎ እዋን ዝበዓል ለምዘበን ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝውዕ ዘሎ ዓመታዊ በዓል ዲፓቫሊ ወይ ዲዋሊ ማለት ዓወት ሰናይ ኣብ ልዕሊ እከይ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት ምኽንያት ንሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዕለት 17 ጥቅምቲ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ቫቲካን ኣብ መልእኽቱ ኣብ ዓለም ሰላም ክሰፍሕን ውሑስ ክኸውንን ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስቲያንን ማሕበረ ሂንዱ ብማዕረ ምትእምማንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ተነቓቒሖም ብሓባር ክዓዩን ከም እተላበወ ኣፍሊጡ።
በዓለ ዲፓቫሊ
እቲ ዓወት ሓቂ ኣብ ሎዕሊ ሓሶት፡ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት ሰናይ ኣብ ልዕሊ ክፋእ ዘብዕል ዲፓቫል እተሰምየ በዓል ሃይማኖት ሂንዱ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ በዓላት ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሚገል ኣንገል ኣዩሶ ጒይክሶትን ዋና ጸሓፊኦም ብጹዕ ኣቡነ ኢንዱኒል ጃናካራትነ ኮዲቱዋኩ ካንካንማላገ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ሃገረ ቫቲካን፥ ንዅሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ “ሓጎስን ሰላምታን ጽቡቕ ትምኒትን” ብምቕራብ፥ “እዚ በዓለ ብርሃን እዚ ብጀካ ናትኩም፡ ህይወት ኩሉ ሰብ ኣብ ኣባይቲ ስድራዅምን ማሕበረሰባትኵምን ኣብቲ ዝዓበየ ሕብረተሰብን ክትውልዑ ጸጋን ሓጐስን ይሃብኩም” ዝብል ሓሳብ ከም እተነብሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ
እቲ መልእኽቲ ቀጺሉ፥ “ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብሃይማኖታዊ ባህላዊ ብሄራዊ ዓሌታውን ቋንቋውን መንነትን ልዕልናን ዝተመርኮሰ ዝርአ ወጥሪ ግጭትን ዓመጽን” ዘሰክፍን እናወሰኸ እውን ይኸይድ ከምዘሎ ኣስተብሂሉ፥ እዞም ጸገማት እዚኣቶም መብዛሕቲኡ ግዜ፥ “ብውደራ ህዝባውን ምስፋሕን ፖለቲካ . . . ከምኡ እውን ብግልጺ ዘይግብኡ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝባራዑ” ምዃኖም እቲ ሰነድ ወሲኹ ብምምልካት ኣስዒቡ፥ “ንዅላትና ዘተሓሳስብ ጠንቂ እዩ። ምኽንያት ንሕውነታውን ሰላማውን ሓባራዊ ህይወት ኣብ ሕብረተሰብ ብዓቢኡ ስለ ዝጸልው” ይብል።
ምሕዝነት
ነዚ ጸገማት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው መልእኽቲ ቫቲካን ከም ዘስመረሉ፥ እቲ ንቕድሚት ዝወስድ መገዲ “ምቕርራብ” ምዃኑን “ኣብ ማእከል ካልኦት ምስ ውልቃውንቶም ብዙሕነቶምን ፍልልያቶምን ብመንፈስ ምክብባርን ፍቕርን ምትእምማንን ናይ ምንባር ዓቕሚ” ተባሂሉ ዝግለጽ እዩ። ምሕዝነት “ብውልቃዊ ርክባትን ዘተን ኣብ ሓድሕዳዊ ምስማዕን ምምሃርን” ክህነጽ ይኽእል፡ ናብ “ሓባራዊ ሓላፍነት” ወይ ድማ “ስግሪ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕጋዊ መሰላቱን” ኣፍልጦ ንምሃብ ይመርሕ፡ “ንሕና ክርስቲያንን ሂንዱን ምስቶም ናይ ኩሎም ካልኦት ሃይማኖታዊ ልምድታትን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዛ ዓለም ኩሉ ሰብ ብሰላምን ሓጐስን ዝነብረላ ውሑስ ቤት ንምቕያር . . . መንፈስ ምሕዝነትን ሓባራዊ ሓላፍነትን ነስፍሕ!” እንክብል ጻውዒት ብምቕራብ ኣተሓሒዙ ድማ “ንዅሎም ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱ ርሑስ በዓለ ዲፓቫሊ ይግበረልኵም” እንክብል ሰናይ ምንዮት ብምግላጽ ይዛዘም።