እናቴ በንኩዋርት፥ ተወሳኺ ዓመት ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ሓቛፊት ንምግባር
ናይ ብጹዓን ጳጳሳታ ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ እናቴ በንኩዋርት ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ብተወሳኺ ዓመት ክናዋሕ ዝብል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፥ ኣማእኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ብስለት ክህሉ ዝገብርን ቤተ ክርስቲያን ሓቛፊት ኵሉ ኣብ ምዃን ጸዋዕታአ ዘዕብያ ዕድል እዩ” እንክብላ ይገልጸኦ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እናቴ ናታሊ ቤንክዋርት፥ ሲኖዶስ ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ዝወሰድዎ ውሳኔ፥ “ምስትውዓልን መመያን ንምዕማቕ ዝድርኽ ብስለት ክህሉ ዘተባብዕ እዩ” እንክብላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን፥
ክሳብ 2024 ክቕጽል
እቲ ኣብ 2021 ዓ.ም. ካብ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስትያን ዝተጀመረ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዘይኮነስ ኣብ 2024 ዓ.ም. ክዛዘም ዝብል ውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ኣብ ክልተ ክፋል ዝካየድ ግን ከኣ ሓደ ሲኖዶስ ምዃኑ ኣብሪሀን፡ ስለዚህ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕርቦ መስርሕ ብዕምቆት ክስትውዓልን ሲኖዳውነት ኵሉ ንኸስተማቕሮን ግዜ ዝህብ እዩ። ሲኖዳውነት፥ ምስትውዓል ንምዕማቝ ብሓባር ምልላይ ነሓድሕድካ ምስማዕ ንመንፍስ ቅዱስ ምስማዕ ዝብል ውሳኔ እዩ፣ እዚ ሲኖዶስ እዚ ደረጃ ብደረጃ ዝካየድ እዩ። ማለት እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መጀመርታ ኣብ 2023 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ደሓር ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ኣብ ክልተ ክፋል ግን ከኣ ከም ኣካል ናይ ሓደ ሲኖዶስ ኮይኑ ክካየድ ቅዱስነቶም ዕለት 16 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝገለጹ ኣዘኻኺረን፥
ሲኖዳውነት ኣብ መላእ ዓለም
ቅዱስ ኣቦና ባዕሎም ንዝተናውሐ ምስትውዓል ዝያዳ ግዜ ንምሃብ እዚ ሲኖዶሳዊ ጒባኤ ኣብ ክልተ ኣኼባታት ከም ዝካየድ እገልጽ፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር፡ ከም ዝበልዎ እዩ ስለዚ እዚ ውሳኔ እዚ ብጥልቂ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዘንበበን ዘስተውዓለን ዘስተማቐረን እዩ። ምስቲ ኣብ ዞባታት ዘሎ ብዙሕነት ኵላትና ብሓባር ከም ቤተ ክርስቲያን ሓደ ምዃንና ንምስትውዓልን ብሓባር ክንዓይን ዝድርኽ እዩ፡ ብዓቢ ህብዙሕነት ሓድነት እዩ። እዚ ውሳኔ እዚ እቲ ሲኖዳውነት ዝብል ናይቲ ሲኖዶስ ቍውም ነገር ዘለዎ ዓቢይ ስፍሓትን ኣገዳስነትን ብኣባላት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ጥራይ ዘይኮነ ብምሉእ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ እዋን ናይ ልልያ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ድሌት ዝመንጨው ውሳኔ እውን ምዃኑ ባዕሎም ቅዱስነቶም ኣብሪሆምዎ እዮም።
ስለዚ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ክፋል ክካየድ ዝብል ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ናይ “ምንዋሕ ውሳኔ” ምስቲ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዞ ዝሰማማዕ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ሲኖዶስ “ኵሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ብሓባር ናብቲ እግዚኣሔር ንቤተ ክርስቲያኑ እንታይ ይደልን ፍቓዱን ንምስትውዓል ናብ ዝሕግዝ መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ንኽጓዓዝ ዝድርኽ መስርሕ እዩ” ኢለን፥ ስለዚ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተዘርገሐ ክፍለ ክፋል ሲኖዶሶስ ዝያዳ ብሱል ኣስተንትኖ ንምዕባይ ዝዓለመ “ጉዕዞ ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ” ዝፈጥር ምዃኑ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መግለጺ ጠቒሰን ብምዝኽኻር፥ ቤተ ክርስቲያን ሕዝበ እግዚኣብሔር እያ - ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ህዝበ ምዃኑ እዩ ዝምክስር እንክብላ ዘካየደኦ ቃል መሕትት ዛዚመን።