ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ 2023ን ኣብ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ወሲኖም ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ 2023ን ኣብ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ወሲኖም  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ 2023ን ኣብ 2024 ዓ.ም. ክካየድ ወሲኖም

ንዝተናውሐ ምስትውዓል ዝያዳ ግዜ ንምሃብ እዚ ሲኖዶሳዊ ጒባኤ ኣብ ክልተ ኣኼባታት ከም ዝካየድ እገልጽ፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ክፋል ማለት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ከምኡ እውን ኣብ 2024 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ክኸውን ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መጀመርታ ኣብ 2023 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ደሓር ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 204 ዓ.ም. ኣብ ክልተ ክፋል ግን ከኣ ከም ኣካል ናይቲ ሲኖዶስ ኮይኑ ክካየድ ቅዱስነቶም ዕለት 16 ጥቅምቲ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝናዋሕ ምስትውዓል - ልልያ

ቀዳማይ ምዕራፍ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጒባኤ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳስት፡ ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ምስማዕን ምስትውዓልን እተኩይሩ ከም እተበገሰን ካብዚ እውን ብዙሕ ቀዳሞት ፍረታት ይርከብ ምህላዉ ዝገለጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስለዚ እቲ ፍረ ንኽበስል ዝያዳ ግዜ የድሊ፥

ንዝተናውሐ ምስትውዓል ዝያዳ ግዜ ንምሃብ እዚ ሲኖዶሳዊ ጒባኤ ኣብ ክልተ ኣኼባታት ከም ዝካየድ እገልጽ፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ዕለት 4 – 29 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር፡

ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ እዚ ውሳኔ እዚ “ሲኖዳውነት ከም ቅዋማዊ ባእታ ቤተ ክርስቲያን ንምርዳእ ዝድግፍ፡ ከምኡ እውን ኵሎም እቶም ነዚ ጉዕዞ እዚ ናይ ወንጌል ሓጐስ ዝምስክሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር ዝነብርዎ ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት

ደድሕር እቲ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ መግለጺ፥ ቤት ጽሕፈት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ፥ ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ቅዱስነቶም ኣማእኪሉ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥

እዚ ውሳኔ እዚ እቲ ሲኖዳውነት ዝብል ናይቲ ሲኖዶስ ቍውም ነገር ዘለዎ ዓቢይ ስፍሓትን ኣገዳስነትን ብኣባላት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ጥራይ ዘይኮነ ብምሉእ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ እዋን ናይ ልልያ ኣርእስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ድሌት ዝመንጨው እዩ፡

ስለዚ እቲ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ክልተ ክፋል ክካየድ ዝብል ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ናይ “ምንዋሕ ውሳኔ” ምስቲ ናይ ሲኖዶስ ጉዕዞ ዝሰማማዕ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ሲኖዶስ “ኵሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ብሓባር ናብቲ እግዚኣሔር ንቤተ ክርስቲያኑ እንታይ ይደልን ፍቓዱን ንምስትውዓል ናብ ዝሕግዝ መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ንኽጓዓዝ ዝሕግዝ መስርሕ እዩ” ቢሉ፥ ስለዚ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተዘርገሐ ክፍለ ክፋል ሲኖዶሶስ ዝያዳ ብሱል ኣስተንትኖ ንምዕባይ ዝዓለመ “ጉዕዞ ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ” ዝፈጥር ምዃኑ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ መግለጺ የመላኽት።

(Andrea Tornielli)

17 Oct 2022, 16:52