ሲኖዳውነት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዘቐጽል ገና ኣብ ፍጻመ ዝርከብ ዕማም እዩ
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብወግዒ ዘኸፍተሉ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ግረች፥ “ዕላማ ሲኖዶስ ኣብ ህይወትን ተልኾን ቤተ ክርስቲያን ቅዲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ምንዋሕ እዩ” ስለዚ ሲኖዶስ “ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ትምህርቲ ናቱ ገይሩ ዘደንፍዕ” እዩ። ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ኪደት ትግባር ዘሎን ኣብ ገለ ገለ መዳይ እውን ትግባሬኡ ገና ኣብ ጅማሮ ምህላዉ ዘመላኽት ሓሳብ ብጽዕነቶም ኣብ መልእኽቶም ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ካብ ዝኽፈት ስሳ ዓመት የቑጽር። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነዚ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት እዚ እውን “ፍሉይ ጸጋ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ሲኖዶሳውነት ንገዛእ ርእሱ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍረ እዩ፡ እዚ እውን ካብቲ ኣዚዩ ዓቢይ ውርሻታት ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን ሓደ እዩ” ኢሎም።
ዕላማ ሲኖዶስ “ኣብ ህይወት ተልኾ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ንምንዋሕ ከምኡ እውን ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንትምህርቱ ህያው ንምግባርን ንምዕባይን ዘገልግል እዩ” ዝበሉ ብጹነቶም ኣብ መልኽቶም፥ እቲ “ሲኖዳውነት ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን” ንዝብል ቁዉም ሓሳብ እተወፈየ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዳውነት ናይ ዝዝትይ ሲኖዶስ መስርሕ እውን ብተመሳሳሊ ካብቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝስዕብ ኮይኑ፡ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቲዮሎጊያ ኣብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝሰረተ እዩ። ሲኖዳውነት ዝብል ቃል ኣብ ሰነዳት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እንረኽቦ ቃል ኣይኹን እቲ ኣምር ሲኖዳውነት ግን ኣብ መላእ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ብተግባር ዝተራእየ፥ ውህደትን ተሳትፎን ተልእኾን ኣብ ዝብሉ ቃላት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዝተጸንረ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እታ ክንሓልማን ክንሓንጻን ዝተጸዋዕናያ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ እምነት ብናይ ሓባር ጥምቀትን ብሓደ ቅዱስ ቁርባንን ብመልክዕ ቅድስቲ ስላሴ ብሕብረት ዝተኣከቡ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማሕበረሰብ ቤት እያ!
ምስ በሉ መልእኽቶም፥ ቤተ ክርስቲያን ንቕድሚት ንኽትብል ሲኖዶሳውነት ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም በነዲክቶስ መበል 16ን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሲኖዳውነት ከም “ቅዋማዊ ማዕቅን” ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ከም ዝገለጽዎ ኣዘኻኺሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሲኖዳውነት “እግዚኣብሔር ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዓመት ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ዝጽበዮ መገዲ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተነብረ ኵነት እዩ እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።