ካርዲናል ፓሮሊን ምእንቲ ሰላም ኣብ ኣርመኒያ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዒሪጎም
ኣብ ቅድስቲ መንበር ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ሃገረ ኣርመንያን ምኽንያት ኣብ ዝካየድ መደብ ናይ ኣርመንያ ሚኒስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣራራት ሚርዞያን ክሳተፉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንዝኽሪ መበል 30 ዓመት ክሌኣዊ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ኣርመንን ከምኡ እውን ምእንቲ ሰላም ኣብ ኣርመኒያን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዕለት 25 ጥቅምቲ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሰለስተን ፈረቓን መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ናይ ኣርመንያ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሚኒስትር ሚርዞያን ቃለ ሰላምታ ከም ዘስምዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ስነ ስርዓት ቅዳሴን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ጋዜጠይናታትን ኣባላት ማሕበረሰብ ኣርመናውያን ኣብ ኢጣሊያ ከም እተሳተፉን ናይ ኣርመንያ ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሚኒስትር ሚርዞያን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ዝኽሪ ሳላሳ ዓመት ምጅማር ክሌኣዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ክርስቲያናዊ ክብርታት ዝተመርኮሰ ብምዃኑ እቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ምጅማር ክሌኣዊ ዝምድና ዝካየድ በዓል ነዚ ዘዘኻኽር ብሉጽን ፍሉይን ኣጋጣሚ እዩ” ቢሎም፥ ከምኡ እውን ኣብ ሓባራዊ ራእይ መጻኢ ኣርመንያን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ክሌኣዊ ዝምድናታተን ዝያዳ ንምዕሟቕን ንምስፋሕን ክዓያ ምዃነን” ኣረጋግጽ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።