ድለ

ቅድስቲ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ ቅድስቲ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ 

ቅድስቲ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቕጽልን ዝሓልፍን ሰዓት ህይወት ንጹሃን ዝምንዝዕን ኣብ መንጐ ህዝብታት ዘሎ ቁስሊ ዘግድድን ነቲ ህጉራዊ ስርዓት ዝምርኮሰሉ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘጥፍእ ዕብዳን ውግእ የብቅዕ

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካቻ፥ እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ኣብ ዘካየዶ ዛዕባ ዩክረይን ኣብ ዝመኸረ ሓፈሻዊ ጒባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ዩክረይን ተዂሲ ደው ክብልን ምርጋፍ ኣጽዋር ክረጋገጽን ኑክለስያዊ ኣጽዋር ክእገድን ህጹጽ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብርኤለ ካቻ ኣብቲ ናይቲ ውድብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 11 ጥቅምቲ ዛዕባ ዩክረይን ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝቕጽልን ዝሓልፍን ሰዓት ህይወት ንጹሃን ዝምንዝዕን ኣብ መንጐ ህዝብታት ዘሎ ቁስሊ ዘግድድን ነቲ ህጉራዊ ስርዓት ዝምርኮሰሉ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘጥፍእ ዕብዳን ውግእ የብቅዕ

ቅዱስ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ
ቅዱስ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ   (ANSA)

እንክብሉ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህጹጽ ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ዘተ ክብገስን ዘቕረብዎ ጻዒት ከም ዘቃልሑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ኣጽዋር ውግእ ክዕበስን “ኣብ ሓይሊ ዘይሙርኮስ ብስምምዕ ናብ ፍትሓውን ርጉእን ፍታሕ ዝመርሕ ዘተ” ክብገስ ተላብዮም፡ እቶም መፍትሒታት “ኣብ ምኽባር ንቕዱስ ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ነፍሲ ወከፍ ሃገር” ዝተሞርኮሱ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም፥ ኩላትና ክንጻወቶ ዝግብኣና ተራ ከም ዘሎናን ናብ ሓደገይና ምዕባለታት ከይንስሓብ ንዘተ ዝኸውን ተበግሶታት ከነተባቦዕን ከነስፍሕን ክንድግፍን እዩ ዝግብኣና ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምውሳኽ ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋር

እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝቀላቐል ዘሎ ብዙሕ ዘሰክፍ ስግኣት ኑከልሳዊ ኣጽዋር ክውገድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ጒዳይ እዚ እውን ህጹጽ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ በቲ ዝቐላቐል ዘሎ ስግኣት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣዚዩ ከቢድ እናኾነ ይኸይድ ምህላዉን ከምኡ እውን ንለውጢ “ልቢ እቶም ናይ ኵናት ዕጫ ኣብ ኢዶም ዘሎ እቲ ህቦብላ ዓመጽ ደው ክብል ከምኡ እውን ሰላማዊ ሓባራዊ ሕይወት” ዝያዳ ህጹጽ ይገብሮ፡  ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ብፍትሒ ዳግማይ ክህነጽ ዝከኣል ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ኣብ መደረኦም፥ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ውግእ ደጊም ኣይሃሉ እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘቃልሑ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ
ቅዱስ መንበር ዕብዳን ኵናት ከብቕዕን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድን ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ተቃልሕ

ውሁድ ምፍታሕ ኣጽዋርን እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ምስ ምርጋፍ ኣጽዋርን ኣህጉራዊ ጸጥታን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣማእኪሉ ኣብ ዝተካየደ ሓፈሻዊ ጒባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ኣብ 1962 ዓ.ን. ኣብ ኩባ ዘጋጠመ ቅልውላው ሚሳይላት ኣዘኽኺሮም፡ እቲ ታሪኻዊ ኩነት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምርጋፍን ምፍታሕ ኣጽዋር ውግእን ዘጥፍእ ዘተን ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም፥ እቲ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምስፋሕ ዝብል ውዕልን እገዳ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዝተበጽሑ ስምምዓት ዘይምኽባር ዝፈጥሮ ዘሎ ስክፍታ ዓቢይ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ንፍለማ ግዜ ልዕሊ ክልተ ትሪሊዮን ከም ዝበጸሐን እዚ እውን እቲ ዓለም ሓቆፍ ውዕላት ኣብ ስንኵፍ ኩነት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ እዩ፡ እዚ ጐዳኢ ወጻኢታት እዚ ነቲ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ከስፍሕን ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ከድሕንን ዘኽእል ጸጋታት የባኽን ኣሎ፥

ሰብ ኣብ ኢዱ ዘጥቕዕ ኣጽዋር ሒዙ ከፍቅር ኣይከኣሎን እዩ!

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

14 Oct 2022, 16:17