ቅድስቲ መንበር፥ ሰብኣዊ ክብሪ ሕመረት ናይ ሕግታት መቕጽዒ ገበን ከኸውን ኣለዎ!
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ካቻ ኣብቲ ዛዕባ ምክልኻል ገበንን ገበናዊ ፍታሕን ኣህጉራዊ ምቍጽጻር ዕጸ-ፋርስን ከምኡ እውን ኣብ ዕደ ጥበብን ሓበሬታን ርክባትን መጋበርያ ገበን ከይኸውን ዝቖጻጸር ግብረ ሃይል ምቛምን ኣብ ዝመኸረ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ምሉእ ጒባኤ ተረኺቦም መርገጺ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ገበናት ንምክልኻል ወይ ኣብ ዝምልከቶ ኣካል ዛዕባ ዝተፈጸመ ገበን ክሲ ንምቕራብ ዝምልከት ሕጊ ግድን ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብቲ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ናይ ክዮቶን ገበናት ምክልኻልን ምኽሳስን ዝብል ውዕል ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳናይ ኣብ ዝመኸረ ዋዕላ መርገጺ ቅድስቲ መንበር ከም ዘብርሁን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣካባቢያዊ ገበናት
ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ካቻ፥ ኣብቲ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣካባቢ ኣብ ዚጸሉ ክልተ መዳያት ኣቶኲይሮም እዚ ኸኣ ንኣካባቢ - ንናይ ሓባር ቤትና ዚጸሉ ገበንን ምስ ዕጸ-ፋርስ እተተሓሓዘን ዘይግቡእ ንጥፈአታት ዝምልከት ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣካባቢ ዚጸሉ እንክገልጹ፥ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ወትሩ ግቡእ ቈላሕታ ዘይገብሩሉ እኳ ንእተ ዀነ ከባቢያዊ ገበናት ከቢድ ጒድኣት እዩ ዜምጽእ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ቅልውላው እውን ዘጋድድ እዩ፡ ስለዚ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዝሓትዎ፥ “ንሓባራዊ ቤትና ንምክንኻን ኣብ ኵሉ ደረጃታት ብሓባር ክንዓዪ” ከም ዘሎና ኣትሪሮም ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።
ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብጹዕነቶም፥ ብዛዕባ ምስ ዕጸ-ፋርስ ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ቅድስቲ መንበር ዕጸ-ፋርስ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ከምኡ እውን ንማሕበረሰባት ዘስዕቦ ከቢድ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታው ዕጸ-ርስ ምጥቃም ወይ ምውሳድ ሕጋዊ ምግባርን ሃልኪ ከምኡ እውን ምፍራይን ንግድን ዕጸ-ፋርስ ዝኣመሰሉ ኵሉ ቅድስቲ መንበር ብኣጽንዖት ከም እትቃወሞ ገሊጾም፥
ምጥቃም ዕጸ-ፋርስ ወትሩ ጐዳእን ኣዕናውን ስለ ዝኾነ ኣጠቓቕማኡን ምሻጡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ናይ ዕጸ-ፋርስ ባህሊል ምስኡ ዝተኣሳሰረ ባህርያትን እውን ንምኹናን ንምክልኻልን ዕቱብ ጻዕሪ እተዘይተገይሩ ካብ ሱር ምጠፍእ ዝከኣል ኣይክኸውንን እዩ!
ስለዚ ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ትኹረት ኣብ ሕብረተሰብን ኣኽበርቲ ሕግን እምበኣር፥ “መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምልላይን ዓበይቲ ገበነይናታት ኣብ ምኽሳስን” ክኸውን ይግባእ፡ እዚ እውን “ምክልኻል ኣጠቓቕማ ዕጸ-ፋርስ ብዕላማን ብመደብን፡ ምፍራይን ኣጠቓቕማኡን ክይህሉ ምጉዳልን ምጥፋእን ምስ ዝብል ጻዕርታት ዚተተሓሓዘ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምክልኻልን ምውጋድን ምጥቃም ዕጸ-ፋርስ
ዕጸ-ፋርስ ንኣእምሮን ኣካላትን ጠባይን ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኮነ ኣብቶም ዚወስድዎን ዚቐርብዎን ሰባት ጐዳኢ ጽልዋ ከም ዜሕድር ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ስነ ፍልጠታዊ ሓበሬታ ብምሃብ እዅልን ብሉጽን ሕንጸት ብምስፋሕ ክትከላኸሎን ከተወግዶን ዝከኣል ምዃኑ ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ገሊጾም፡ ውጽኢታዊ ዝኾነ ጸረ ዕጸ-ፋርስ ሕግታት ወትሩ ነቶም ምስ ወልፊ ዕጸ-ፋርስ ዝቃለሱ ብርሕራሐ ዝቕርብ ሓገዝ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንገበናዊ ዕላማ ምጥቃም ዕደ-ጥበብን ምዕባሌታትን መርብብ ሓበሬታን ምቅላስ
ካልእ እቲ ዝተካየደ ዓውደ ኣኼባ ዝዘተየሉ ነጥብ፥ ንገበናዊ ዕላማታት ምጥቃም ዕደ-ጥበብን ምዕባሌታትን መርበብ ሓበሬታን መርበባዊ መራኸቢታትን ምቅላስ ዝብል ኮይኑ፥ ኣብዚ ርእሰ ጒዳይ እዚ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ካቻ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ዕደ-ጥበብን ምዕባሌታትን መርበብ ሓበሬታን መርበባዊ መራኸቢታትን ኣብ ቁጠባዊ ባህላውን ማሕበራውን ምዕባለታት ኣበርክቶ ዘለዎ እኳ እንተኾነ፡ ስነ ምግባራዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ግምት ብምሃብ፡ ከምኡ እውን ጉጅለታት ኣሸበርቲ ጸንፈይናታትን መመልመልን መአከቢ ገንዘብን ታዕሊምን ንግብረ እከይ ዝውዕል መላታትን ብመርበብ ሓበሬታ ዝፍነው መጥቓዕትን ብፍላይ ንመዘርግሒ ጽዩፍ ኣሳእል ሕጻናትን ግብረ ስጋዊ ዓመጽን ከይውዕል ብርቱዕ ምቁጽጻር ይሓትት፡ ስለዚ እዚ ጒዳይ እዚ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ንኣጠቓቕማን ምቁጽጻርን ዕደ-ጥበብን መርበብ ሓበሬታን መርበባዊ መራኸቢታትን ዝምልከት ሕጊ
ኣብ ምወዳእታ ብጹዕነቶም ነቲ ኣሉታዊ ኣጠቓቕማ ዕደ-ጥበብን መርበብ ሓበሬታን መርበባዊ መራኸቢታትን ንምግልባጥ ንሰብን ሰብኣዊ ስድራን ኣበርክቶ ከም ዝገብር ንምርግጋጽን ንገበናዊ ዕላማታት ምጥቃም ዕደ-ጥበብን መርበብ ሓበሬታን መርበባዊ መራኸቢታትን ምቅዋምን ምውጋድን ዝምልከት ኩለ መዳያዊ ኣህጉራዊ ውዕል ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅድስቲ መንበር ነጠቓቕማ እዚ መጋበርያ እዚ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ዝኾነ ይዅን ሕጊ ንሰብኣዊ ክብርን ኵላዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ድማ መሰል ናጽነትን ኣተሓሳስባን ሕልናን ሃይማኖትን ዘጠቓልል ክኸውን ይግባእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።