እቲ ዛዕባ ምስያም ጳጳሳት ዝምልከት ስምምዕ ቅድስቲ መንበር ቻይናን ንካልኣይ ግዜ ተሓዲሱ
ድሕሪ ግቡእ ምኽክርን ገምጋምን ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ነቲ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ክሌኣዊ ስምምዕ ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ንምንዋሕ ስምምዕ ከም እተገብረን፡ ቅድስቲ መንበር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ንምስጓምን ምእንቲ ንህዝቢ ቻይና ረብሓ ኣኽባርን ሃናጽን ዘተ ክትቕጽል ምዃና ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ድሕሪ ግቡእ ምምኽኻርን ገምጋምን ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይናን ነቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተኸተመ ስዒቡ እውን ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ተሓዲሱ ኣገልግሎቱ ዝተናወሐ ጳጳሳት ምስያም ዝምልከት ስምምዕ ንተወሳኺ ንኽልተ ዓመት ክናዋሕ ተሰማሚዐን” እንክብል ዕለት 23 ጥቅምቲ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ “ተልእኾ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምዕባይ ብዝብል ዕላማ ነቲ ስምምዕ ብኣፍራዪ ኣተገባብራን ንክለኣዊ ዝምድናታት ዝያዳ ንምድንፋዕን ኣብ መንጐ ጉጅለ ልኡካን ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝካየድ ምክብባር ዝዓሰሎ ሃናጺ ዘተ ንምቕጻል ቃል ከም ዝተኣተወን እዚ እውን ንናይ ህዝቢ ቻይና ረብሓ እውን ምዃኑ የመላኽት።
“ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ምስ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ስምምዕ ክሕደስ ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ ቅዱስነቶም ነቲ ስምምዕ 2018 ዓ.ም. እቲ ኣካይዳ ትግባሬ እቲ ስምምዕ ሽሕ’ኳ ብጣዕሚ ዝሑል እንተኾነ፡ ቀስ ብቀስ ግን እቲ ኣዘራራቢ ሲመተ ጵጵስና ብስምምዕ ይካየድ ኣሎ። ቻይናውያን ቀስ ብቀስ ስለዝኸዱ ዘሀውኽ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ ንሳቶም እውን ውሳጣዊ ግድላት ከምዘለዎም ክዝንጋዕ የብሉን” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።
ሰበ ስልጣናን ዞባታት ቻይና ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መገዲ ስለ ዝዋስኡ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ እታ ሃገር ሓደ ዓይነት ኩነታት ስለ ዘይኮነ” እውን እቲ ስምምዕ ብሓደ መልክዕ ከተረጋግጾ የጸግም” ከም ዝበሉን፥ ብፍላይ ብዛዕባ እቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ሃንዳሲ እንክብሉ ዝገለጽዎም ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኣጐስቲኖ ካሳሮሊ ዝሃንደስዎ ንምስራቕ ዓለም ዝምልከት ፖለቲካዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣብ ምብራቕ ሃገራት ኤውሮጳ ዘተግበርዎ ክሌኣዊ ስነ ምሌላዊ ርክባት ቅዱስነቶም ዘኪሮም “እዚ እውን ሰማዕትነትን ትዕግስትን” መሰረት ዝገብረ እዩ ነይሩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን ሕይወት ፖሎቲካን ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብን ብጣዕሚ ከቢድ ምዃኑ ንኸረድኡ ንነዊሕ ዓመታት ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ዘገልገሉ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኣጎስቲኖ ካዛሮሊ ኣብ ዘመነ ሶቭየትን ምብራቅ ኤውሮጳዊ ኮሚኒዝምን ዓቢ ኣበርክቶ እኳ እንተገብሩ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ቤተክርስትያን ሰባት ከይተረፉ ዘዕረምርሙ የይሮም እዮም። ተጻይ ቅዱስ ዮሓንስ 23 ከማኡ እውን ተጻይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዙሕ ተዛሪቦም። ተጻይ ካዛሮሊ እውን ነይሮም እዮም። ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ከማኡ እዩ ጠባዩ፣ ኣብ ቅድሚ ፍጹም ዕጽው ምስ ኮንካ ሽሕ’ኳ ተመራጺ እንተዘይኮነ እንኮ መንገዲ ስነ ክሌኣዊ ሜላዊ ርክብ እዩ፡ ንኩሉ ከምዝከኣል እትገብረሉ ጥበብ እዩ። ቅዱስ መንበር ከኣ ነዚ ዝገብሩ ዓበይቲ ሰባት ወትሩ ኣለውዋ። እንተ እቲ ኾይኑ እንተ እዚ ንጉዳይ ቻይና ንቅድሚት ዘሰጉሙ ዘለው ካርዲናል ፓሮሊን እዮም፣ እንተ እቲ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ብጽቡቅ ይቅጽል ኣሎ፣ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ክሕደስ ከኣ በዓል ዓቢ ተስፋ እየ ኢሎም ከም ዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።