ቫቲካን፥ ዓለም ለኻዊ ቅድመ ምርኢት “ደብዳቤ” ዘርእስታ ፊልም ሓድሽ ጻውዒት ንምክንኻን ሓባራዊ ቤትና
ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ይሀንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ናይ እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ዋና ጽሓፊት እናተ ስመሪሊን ካልኦት ኣብ ናይ ሓባር ቤትናን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየርን ኣብ ምክንኻን ዝግበር ጻዕሪ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝኾኑ ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ “ደብዳቤ” ዘርእስታ ናይ ሓባር ቤትና ንምክንኻንን ንምድሓንን ዝዓለመ ሰነዳዊ ፊልም ዕለት 4 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ንቅድመ ምርኢት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣው ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ቺዘርን ናይ ስነ ምርምር ማሕበረሰብ ልኡካንን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ዜና ማዕከናት ልኡካን ኣብ ዝተረኽብሉ ጒባኤ ንስልማት ዝበቕዓት “ደብዳቤ” ዘርእስታ ሰነዳዊት ፊልም ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚን ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ 1992 ዓ.ም. ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዝተፈረመ ስምምዕ ፓሪስ ምጽምባራ ዘረጋግጽ መስርሕ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ኣብ ዘቕረበትሉ ዕለት ንቕድመ ምርኢት ከም ዝቐረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅድሚ ቀድመ ምርኢት እታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ዝተኻይደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥
ኣብዚ መድብለ - ጐድናውነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉን ከም ምዝባዕን ብከላን ከባቢ ኣየር ኣዚዩ ከቢድ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘለሉ እዋን ውሁድ ስነ ምህዳር ንምድንፋዕ ኣብ ዝኣመሰሉ ጒዳያት ሓቀይና ዘተን ምርድዳእን ክንደሊ ዘይምኽኣልና ኣብ ዝጸልወሉ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ከተነባቦብዕ ኣሎና
ከም ዝበሉን ኣስዒቦም እውን ዕለት 4 ጥቅምቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምዃኑ ብምዝኽኻር “ንመጻኢ ብዙሕ ርሑቕ ዘይኮነ ምስ ትምህርቱን ኣብነቱን ዝያዳ ዝሰማማዕ ኵሉ ሰናይ ዕላማና ንኣኡ ሕድሪ ንሃብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጸሎት ምእንቲ ከባቢ
ናይ ስነ ቁጠባ ሊቅ ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ እውን ብወገነን ኣብ ዘስመዕኦ መደረ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘስፈርዎ ጸሎት ዘኪረን፥ እታ ሰነዳዊት ፊልም ብይሴባህ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተደረኸት ምዃና እንከብርሃ፥ ናይ ዓለም ሓቆፍ ምንስቓስ ይሴባሕ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣማኻሪ ቶማስ ኢንስዋ እውን፥ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓድሽ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ሓደጋታት ዘስዕብ ዘሎ ስነ ምህዳራዊ ቅልውላው ምላሽ ምሃብ ህጹጽ ምዃን ከመልክቱ እንከለዉ፥ ናይታ ሰነዳዊት ፊልም ደራሲ ኒኮላስ ብራውንት ነታ ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ምስንዳው ዝነበርዎ ተመክሮ ከም ዘኻፈሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፥ ብዛዕባ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎን ዝተኻየደን ኣማዞን ዘማእከለ ሲኖዶስ ክቐውም ናይ ዝገበርዎ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልኡካንን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዛዕባ ስነ ህይወትን ስነ ምህዳርን ውሩያት ምሁራን እውን ከም እተሳተፉን ኣመሪካዊ ናይ ስነ ህይወት ተመራማሪ ግረግ ኣስነር እታ ሰነዳዊት ፊልም ዓለም ንናይ ከባብን ፍጥረትን ስቓይ ኣቃልቦ ክገብር ሕልና ህዝብታትን መንግስታትን እተነቓቕሕ ከም እትኸውን ዘለዎም ተስፋ ምስ ህልው ኵነታት ስቓይ ተፈጥሮ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለጹን፥ ስዒቡ እውን ብቐጥታ ምስ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ዝተሰዱ መንእሰያት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝውክሉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዝሃብዎ ቃል ምስክርነት ከም እተሰምዐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።