ድለ

2020.03.14 Petersdom Petersplatz Piazza San Pietro Basilica San Pietro 2020.03.14 Petersdom Petersplatz Piazza San Pietro Basilica San Pietro 

ንዓመት ድሕነት ኢዮቤል ዘገልግል ኮሚሽን መሰኻኽር እምነት ቈይሙ!

ብደሓነ ሰላም የጽንሓና 2025 ዓም ዓመት ኢዮቤል ድሕነት ምስ ፍራንቸኮስ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምስንዳው እንክርከብ ‘ቅድስና ሎሚ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣጎስቲንያኑም ሮማ ነዚ ንም ዕማቊ ዓውደ መጽናዕቲ ይካየድ ኣሎ፤ ሓላፊ ጉዳይ ቅዱሳን ዚከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰመራሮ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እቲ ዚካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ንኢዮቤል ዘገልግል ኮሚሽን መሰኻኽር እምነት ክቀውም ብዝ ኣዘዝዎ ድሮ እቲ ኮሚሽን ከምዝቆመ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ሓቢሮም።

ዜና ቫቲካን!

እዛ ዝቆመት ኮሚሽን ባህርያን እጃም ሥራሓን ንምግላጽ ብፁዕነቶም እንክገልጹ ናብ ታሪኽ ዓበይቲ ኢዮቤል ድሕነት ምልስ ብማለት ምናዳ ኸኣ እቲ ዓቢይ ዓመት ኢዮቤል 2000 ንምቅራብ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም መሳናደዊ ሽሕ’ኳ ብዕሊ ብቤተክርስትያን ከም ብፁዓንን ቅዱሳንን እንተዘይተኣወጀሎም ከም መሳኽኽር ቅድስናን ብፅዕናን ግን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሕያው ኣብነትን መሰኻኽርን ኮይኖም ዝነብሩ ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክልለዩ ኣዚዞም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፣ እዚ እዞም ሰባት እዚኦም ዘርኣይዎ መንፈሳዊ ሓይልን ጅግንነት ምስክርነት እምነትን ሃሰስ ክብልን ክምዝግብን ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ነቲ ናይቲ እዋን ኮሚሽን ከቊውም ሓላፍነት ተዋህቦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዘመደ ኣዳም ብ ኣብነቶምን ምስክርነቶምን ክሃንጹ ናይ ዝኽ እሉ ናይ ብዙሓት ኣስማትን ታሪኽ ሕይወትን ተዘርዚሩ፤ ሎሚ ድሕሪ 25 ዓመት ኣብ ዝግበር ምስንዳው ቅዱስ ዓመት ድሕነት ኢዮቤል እውን ከማኡ ዓይነት ኮሚሽን ክቀውምን ስለዝተደልየ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ብመሠረቱ እዞም መሰኻኽር እምነት እንብሎም ሰባት መነመን ኮን ይኾኑ ካብ ዝብል ሕቶ የቅርቡ እሞ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።

ሓደ ኣብነት ይቅጀለኒ! ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ነቲ እከይ ተግባር ምስ ተቃወመ ብናዚስት ዝተቀትለ ሊቅ ንባበ መለኮትን ጓሳቢቤተክርስትያንን ዝነበረ ድየትሪች ቦሆፈር እዝክር፣ እዚ ሰብዚ ሽሕ’ኳ ቤተክርስትያን ከም ሰማዕትን ቅዱስን ክትእውጆ እንተዘይከኣለት ከመይ ካቶሊካዊ ኣይኮነን እንተኾነ ከም ምስክር እምነት ክርስትና ዝቅድሞ የሎን፤ ንቦንሆፈር ዚመስሉ ብዙሓት ኣለው። ቅድስና ደቂሰባት ወትሩ ኣብ ዓይኒ ብዙሓት ዚግለጽ ሕያው ምስክር ኮይኑ እናኣብረሄ ይነብር፤ በዚ ኮሚሽን እዚ ገቢርና ዝርዝር ቅዱሳን ንር.ሊ.ጳ ምሃብ ኣይኮነን ዕላማን ብቀንዱስ ኩልና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ስለዝኾና ነዚ ሓፈሻዊ ጻውዒት ቅድስና ብቚዕ መልሲ ክንህብ ኣሎና እንክብሉ ከመይ ቅዱሳን ቢልካ ምእዋጅ ግድን ኣይኮነን እሞ ብቅድስና ንንበር እንክብሉ ኣብሪሆም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 Oct 2022, 11:39