ድለ

ፊዚከላ፥ ንቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ብምጥማት መስህብ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስፍራ ፊዚከላ፥ ንቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ብምጥማት መስህብ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስፍራ  

ፊዚከላ፥ ንቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ብምጥማት መስህብ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ስፍራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ እቲ ናይ በጻሕትን መስህብን ዝምልከት ስልጣን ናብ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክመሓላለፍ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣዚዩ ኣገዳሲ

ዛዕባ ኣብ መንጐ ስብከተ ወንጌል - ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ ዓለም ባህልን ናጻ ግዜን ዘሎ ርክብ፥ ናይ መስህብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮምፖስተላ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ዝተሳተፉ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ፥ ኣብ መንጐ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ባህሊ በጻሕነትን ናጻ ግዜን ዘሎ ርክብ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት እትህበሉ ዘይተርፍ ጒዳይ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ናይ 25 ሃገራት ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ልኡካን ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ዕለት 8 ጥቅምቲ ዝተዛዘመ ዓውደ ጒባኤ ኣማእኪሎም ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ብጹዕነትኵም ኣብቲ ኣብ ሳንቲያጎ ደ ኮፖስተላ ‘ናይ ጒስነት መስህብ (ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መስህብ)’ ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጒባኤ ተሳቲፍኵም ኢዅሙ፡ ኣገዳስነት ከምዚ ዓይነት ጒስነት ንምንታይ እዩ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ እቲ ናይ በጻሕትን መስህብን ዝምልከት ስልጣን ናብ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ክመሓላለፍ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ስብከተ ወንጌል ፍሉይ ቦታ ክወሃቦ ዘለዎ ጒዳይ ብምዃኑ። ሰብኣዊ ፍጥረት ብባህርይኡ ነጋዳይ እዩ። ቤተ ክርስቲያን በጻሕቲ ነቲ ዝበጽሕዎ ስፍራ ግቡእ ክብሪ ክህብዎን ከምኡ እውን ኣብቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዘሰንዮም ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህሉ ግዚኡ ዝሓትቶ ጒዳይ ምዃኑ ዘስተውዕል ነቢይዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ የድሊ። ጥንታዊ እኳ እንተኾነ ሎሚ እውን ኣዚዩ ክብ እናበለ ዝኸይ ዘሎ ክውንነት እዩ።

ስለምንታይ እዩ ጒስነት መስህብ ካብ ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነቱ ናብ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ክመሓላለፍ ዝተወሰነ? ብቐዳምነት ናይዚ ውሳኔ ስነ መጐታዊ ሳዕቤን ናይቲ ኵርያ ሮማና ብሓድሽ መልክዕ ዝውድብ ናይ ዘሎ ራእይ እዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ግዜ ምልክታ ብምልላይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝኽውንዎ ዘለዉ ሕዳሴ ውጽኢት እዩ። በጻሒ ወይ ነጋዲ ምዃን ብትኽክል ምስ ሰብኣዊ ምዃናውነት ዝተኣሳሰረ እዩ። ቀደም ዝተወደበ መስህብ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ዳርጋ ከምኡ ኣይኮነን። ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ቀረባ ምዃን ንዓኡ ዝምልከት ብትኽኽል ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህልዎ ምግባር ኣብዚ እዋንዚ እዚ ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምጉዓዝን በጻሕነትን ግምት ምሃብ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መደባት እዩ።

ነዚ ሓሳብ እዚ ብኸመይ ጭቡጥ ዕዮ ክትገብሮ ዝከኣል? ንበል ኣብ ሳንቲያጎ ደ ካምፖስተላ ካብ ልዕሊ 25 ሓገራት ዝመጹ ዝተፈላለዩ ልኡካን ተሳቲፎም እዮም፡ ልዑል ድራኸ ዘለዎ ክውንነት ኣርእዩና እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ዛዕባ መስህብን በጻሕትን ጒዳይ ዝከታተል ድርገት ኣሎ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መስህብ ጒዳይ ኣብ ዝከታተል ውድብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣለዋ፡

ነቲ ናይ 2025 ቅዱስ ኢዮቤል ዓመት ብምጥማት ብዙሕ መስህብ ክህሉ ከም ዝገብር ዝተረጋገጸ እዩ እዚ ብኣዅም ዝምራሕ ቤት ምኽሪ እንታይ ክገብር እዩ? ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብዚ ናይ 2025 ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል ውዳበ ካብ ዘዋፍሩና ኣትሒዞም ድሮ ሓያሎ ስጉምትታት የሳልጥ ኣሎ።ድሮ እቲ መደባት ተሰናድዮን ናይቲ ናይ 2025 ዓ.ም. ቅዱስ ኢዮቤል ዓመት ናብ ዝምልከቶ ናይ በርገሳው ስልጣናት እውን ተመሓላሊፉ እዩ ከምኡ እውን ዕለት 11 ጥቅምቲ መበል 60 ዓመት ምክፋት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን እዩ። ስለዚ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ቀዳምነት ሂቡሉን ኣብዚ ጒዳይ እዚ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንበጻሕቲ የሰናደው ኣሎ፡ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 Oct 2022, 16:20