ቫቲካን ኣብ ናይ ሕ.ሃ.ዓለምን ውዕል ፓሪስን ዛዕባ ከባቢ ኣየር ይጽምበር
ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበር ብስም ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ናይ 1992 ዓ.ም. ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዝተፈረመ ስምምዕ ፓሪስ ምጽምባራ ዘረጋግጽ መስርሕ ...
ቅድስቲ መንበር ኣብቲ ናይ 1992 ዓ.ም. ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዝተፈረመ ስምምዕ ፓሪስ ምጽምባራ ዘረጋግጽ መስርሕ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ከም ዘቕረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ፍልዩ ህሞት ታሪኽን ብዝያዳ ዘጨንቕ ዘሎ ብዙሕነታውነት ብዘዳኽም ግጭታት ዝልለ እዋን ንውሁድ ስነ ህይወት ዝድግፍ ጻዕርታት ምድልዳል የድሊ፥ ናይ ሓባር ቤትና ንምሕብሓብ ንናይ ጻዕርታት ቃል ኪዳን ዘተንበሀ ዘበራበረን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ቅድስቲ መንበር ብስም ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ናይ 1992 ዓ.ም. ዛዕባ ከባቢ ኣየር ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለምን ከምኡ እውን ኣብቲ ናይ 2015 ዓ.ም. ዝተፈረመ ስምምዕ ፓሪስ ምጽምባራ ዘረጋግጽ መስርሕ ናብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተቕርብ እንክብሉ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
05 Oct 2022, 16:08