ፓሮሊን፥ ሓቂ ንሓበሬታ ካብ ርክብ ይፈልዮ!
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 19 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ፍራስካቲ ንዝተኣከቡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ምስፋሕ ናይ ዝተወፈየ ማሕበር “ዘለዓለማዊ ቃል መርበባዊ ሓበሬታ ተለቪዥን” ኣባላት “ሓቂ ንሓበሬታ ካብ ርክብ ይፈልዮ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ሰፊሕን ዓሚቝን መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ንዅሎም ንኣባላት እቲ ማሕበር ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣገልግሎትኩም ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ብስልጣናዊ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ኣቢልኵም ኣብ ዓለም ወንጌል ንምስፋሕ ሱር በታኻዊ ጸዋዕታ እዩ፥ እዚ ጸዋዕታ እዚ ሎሚ ብሓድሽ ኣገባብን ሓድሽ ቋንቋን ይሳለጥ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም፥ “ሓቂ ንሓበሬታ ካብ ርክብ ዝፈልዩ እዩ፥”
ሎሚ ዝርግሐ ናይ ሓሶትን ዝተዛብዐን ሓበሬታ፥ ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ሓቂ ሃረር ናይ ምባል ኑባሬኣዊ ባህርይ ዝጻረር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንመበል 34 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሓቂ እውን እንተኾነ ብጸንፈይናነት ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብጸቕጢ ከተንብሮ ምፍታን ንገዛእ ርእሱ ንሓቅነት ዝጻረር እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፥ ሓቂ ኣብ ኣግማድ ኣረኣእያ ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ምስ ማሕበራዊ ሕይወት ዝተኣሳሰረ እዩ። ሓቂ ንዓና ክርስቲያን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ፥ ንዅሉ ብሓባር ዝጥርንፍ ኣካል ማለት እዩ፥ እዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ቈላ. 1,17 ረኣ)። ስለዚ እዚ ርክብ እዚ እዩ “ምርኻብ” ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ሞያ ጥራይ ኮይኑ ከም ዘይተርፍ ዘረጋግጽ፡ እዚ ርክብ እዚ እዩ ንኻልእ ምፍቃር ዝብል ብሓባር ዝጥርንፍ ሓድነት ዝፈጥር ከም ዘብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ከምቲ ናይዚ ማሕበር እዚ መስራቲት እናቴ ኣንጀሊካ ዝብልኦ ዝነበራ፥ “ሓቂ ምዝራብ ግዴታና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ ነዚ ግዴታ እዚ ወይ ክቕበሎ ወይ ክነጽጎ ይኽእል፡ እቲ ሓቂ ግን ልዕሊ ኩሉ ኣብ ውሽጥና ክኸወን ኣለዎ። ወትሩ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዝን ሓደ ዓይነት ንቕሓት ክህልወናን ይግባእ። እቲ ሓቂ ናትና ኣይኮነን - ኣገልገልቲ ኢና። ብፍቕርን ብሓድነትን ኢና ከነገልግሎ እንኽእል። ሓለውቲ ሓቂ እምበር ዋናታት ሓቂ ኣይኮናን። ትሑታት እንተ ዄንና ከመይ ጌርና ከም እንቕበሎ ክንፈልጥ ትብዓት ይህልወና። ሓድሓደ ግዜ ከምቲ እንጽበዮ እኳ እንተዘይኮነ፥ ኣባና እዩ ዘሎ ምስ በሉ፥ እምበኣር እዚ ፍቕሪ ሓቂ እዚ ፍቕሪ ኣካል ኢየሱስ ክርስቶስ፡ እዚ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን፡ ከም ሰብ ሞያ ኣብ ዓውዲ ርክባት ኣብ ተልኾኹም ብኸመይ ክትርጎም ኣለዎ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ብቀዳምነት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዘመልከትዎ፥ ነዚ ብቅዲ ርክብና ክንምስክሮ ንኽእል ኢና። ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዓ.ም. ንኣባላት ካቶሊካውያን ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንሱታፌ ከገልግሉን ዓዲሞም፡ ሎሚ ዝያዳ ድማ “ኣብዚ ብግርጭትን ምፍልላይን ዝተመልከተ ዘመን፡ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ባዕሉ እውን ነዚ ፈተና እዚ ክቃላዕ ዝኽእል ብምዃኑ፥ ንሱታፌ ዘገልግል ክኸውን እዩ ዘለዎ፥ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን ማሕበረሰባትን ልባዊ ዘተን ሓቀይና ርክብን ዝፈጥር ድልድል ናይ ምሕናጽን ህይወት ናይ ምክልኻልን ፈላላይ መናድቕ ናይ ምፍራስ ብቕዓትን ዘለዎ መራኸቢ ብዙሓ የድልየና፡” ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለ ዝኾንና ነፍስ ወከፍ ሓሶት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ” (ኤፈ. 4,25 ረኣ)፡ ነዚ እንተድኣ ኣሚንና ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኒውማን ዝብሎ፥ “ልቢ ንልቢ ክንዛረብ” ኢና፡ እዝነ ልቢ ከነለቅሕ ክንገብር ወይ ክንህብ የብቅዓና።
ሓቂ ከነራኽብን እዚ ኸኣ ብለውሃትን ኣኽብሮትን እዩ ክኸውን ዘለዎ፥ ንሓደ ሰብ ጸሊእካ መንግስተ ሰማያት ክትኣትው ዘይሕሰብ እዩ። ሕጂ ይቕረ ምባል ሕጂ ርህሩህ ምዃን ሕጂ ብትዕግስቲ ምምስጋን የድሊ። ጽልኢ ንምዝርጋሕ ዘይኮነ ርክብ ንምድንፋዕ ዝጽዕሩ መራኸቢ ብዙሓን ምዃን የድሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢ ተራ ኣለዎ፥ እዚ ኸኣ ንጡፋት ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምዃን ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ብውህደት ብምንባር፥ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን መሰረት ወንጌል ምምስካር። ዕዮኹም ምስ ር.ሊ.ጳ. ሕብረት ከም ዘለኵም ዘረጋግጽ ምልክት ይዅን፥ ኣብ ፈነወታት ተለቪዥንኩምን ጽሑፋትኩምን ኣብ መርበብ ሓበሬታዅምን “እዚ ሕብረት እዚ ክስምዓኩምን በዚ ሕብረት ምስ ር.ሊ.ጳ. ዘተንከፈኵምን ምዃንኵም ክቃላሕ ክኽእል ኣለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ተዓዘብትዅም ወይ ኣንበብትዅም እቲ ማሕበርኵም ኣብ ኣገልግሎት ሓቂ ምቋሙን መግለጺ ቤተ ክርስቲያናዊ ሕብረት ምዃኑ ንጽቡቕ ደቂ ሰባትን ዝሰርሕ ናይ እግዚኣብሔር ዕዮ ምዃኑ ከስተህብል ክኽእል ኣለዎ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።