ድለ

ካርዲናል ግረች፥ ሲኖዳውነት መስርሕ ብሱል ፍረ ካላኣይ ጒባኤ ቫቲካን እዩ! ካርዲናል ግረች፥ ሲኖዳውነት መስርሕ ብሱል ፍረ ካላኣይ ጒባኤ ቫቲካን እዩ! 

ካርዲናል ግረች፥ ሲኖዳውነት መስርሕ ብሱል ፍረ ካላኣይ ጒባኤ ቫቲካን እዩ!

ነቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ ናይ ውሳኔ ሰነድ ፍቕዲ 12 ንዘሎ ትርጒም እምነትን ህያብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብዝብል ሓሳብ ዘስፈሮ ውሳኔ ዘጒልሕ እዩ። ቀዳማይ ተግባር ቤተ ክርስቲያን ምስማዕ እንተድኣ ኮይኑ ናይቲ ምስማዕ ውጽኢት ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ

ዕለት 5 ጥቅምቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 250 ዓመት ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ዝተሳተፉ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ብዛዕባ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካንን ሲኖዳውነትን ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ንዝኽሪ መበል 250 ዓመት ቅዋመ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝተኻየደ ዓውደ ጒባኤ ብዛዕባ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካንን ሲኖዳውነትን ብመንጽር ስልጣናዊ ትምህርቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝድህስስ ብዘቕረብዎ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዝኸፈቱን፥ ብጹዕነቶም እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መስርሕ ሲኖዳውነት “ብሱል ፍረ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን” ከም ዝኾነን፡ ነቲ “ቅኑዕ መንፈስ ኤቅለስያውነት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ቅኑዕ ኣቀባብላ ክህልዎ ዝድርኽ እዩ፡ እዚ እውን ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ የረጋግጸልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጽዕነቶም ቀጺሎም ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ እቲ ዘሎ መስርሕ ሲኖዶስ ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ናብ ኵለን ዞባውያን ኣቢያተ ክርስትያንን ሰበኻታትን ሰነዳት ከም ዘመሓላለፈን ካብተን ሰበኻታት እውን ዛዕባ ሲኖዳውነት ኣማእኪለን ናይ ዘካይድኦ ዘለዋ ሲኖዶስ ሓሳባትን ሕቶታትን ዘጠቓልል ሰነዳት ከም እተመሓላለፈን፡ እዚ እውን መግለጺ ናይቲ ዝተበገሰ ሕዳሴ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ፥ ነቲ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ብርሃነ ኣህዛብ ናይ ውሳኔ ሰነድ ፍቕዲ 12 ንዘሎ ትርጒም እምነትን ህያብ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብዝብል ሓሳብ ዘስፈሮ ውሳኔ ዘጒልሕ እዩ። ቀዳማይ ተግባር ቤተ ክርስቲያን ምስማዕ እንተድኣ ኮይኑ ናይቲ ምስማዕ ውጽኢት ሕዝበ እግዚኣብሔር እዩ ዝኸውን ሕዝበ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ስለ ዝነብሩ እቲ ሰነድ - ካብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ንሕዝበ እግዚኣብሔርን እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶሳውነት ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ኣገዳሲ ስጒምቲ እዚ “ነቶም ኣብ ሕዳጋት ዘለዉ ዝምልከት ውጥን ወይ ኣኽብሮት ናይ ረድኤትን መደዓዓስን ጒዳይ” ኣይኮነን፡ ድንጋጸን ዝሓሰረ ሓባራዊ ስምምዕን ምርድዳእን ንምርካብ ዝሃቀነ ተራ ምልክት ኣይኮነ፥ እዚ መስርሕ ሲኖዳውነት እዚ ነቲ ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኵላዊት ቤት አክርስቲያንን ዘሎ “ሓባራዊ ሓድሕዳዊ ውሽጣዊ ምትእስሳር” ዘንጸባርቕ እዩ” ምስ በሉ፥ ቤተ ክርስቲያን ንኣምላኽን ንኻልኦትን - ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብምስማዕ ነቲ ኣብ ካልኦት ዘሎ መንፈስ ጽን ናይ ምባል ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ሒዛ ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ትቕጽሎ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ካልኦት ጽን ዝብል መስርሕ ትነብር ኣላ፥ እዚ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ከም ውርሻ ገይሮም ይነብርዎን ነዚ ይውፈዩን ከም ዝነበሩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቒ እዩ፡ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ዘዘኻኽረና ሓቂ እዩ፥ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን እንታይ ይብል ከምዘሎ ንምስማዕ ንነሓድሕድካ ምስማዕን” ማለት ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Oct 2022, 15:30