ድለ

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤት ትምህርቲ ህልውናኣዊ ወሰናስን ንቲዮሎጊያ የሀብትም ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤት ትምህርቲ ህልውናኣዊ ወሰናስን ንቲዮሎጊያ የሀብትም 

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤት ትምህርቲ ህልውናኣዊ ወሰናስን ንቲዮሎጊያ የሀብትም

ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ቲዮሎጊያን ኣተኩይሮም፥ ካብ ህላወዊ ወሰናስን ቲዮሎጊያ ናይ ምኽዋን መደባት ነቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ሓድሓደ ግዜ ዋላ ወሰን ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ እውን ዝግደዱ ብጥቓና ናይ ዝሓልፍ ጐይታ መግለጽን

“ካብ ህላወኣዊ ወሰናስን ተበጊስካ ቲዮሎጊያ ምክያድ” ዝብል ርእሰ ጒዳይ ዘማእከለ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበር ጥበብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ጽዑቕ ዓውደ ጒባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዝኸፈቱ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ጒዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ “ናይ ባህላወኣዊ ወሰናስን ምባል ንቲዮሎጊያ ኣዚዩ ዝሕግዝ እምነት ከመይ ገርና ከም እንነብርን ተልእኾና ክንፍጽም ከንሰምዕን ከነስተንን ንገዛእ ርእሱ ንቲዮሎጊያ ዘሀብትም ቲዮሎጊያ ረቒቕ ሓሳብ ኮይኑ ከይተርፍን ረቂቕ ሓሳብ ከም ዘይኮነን እውን ንኽረጋገጽ የብቅዕ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ነቲ “ካብ ህላወኣዊ ወሰናስን ቲዮሎጊያ ምግባር” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቲዮሎጊያ ንምግባር ናብ ቤት ትምህርቲ ወሰናስን ህላወ ወዲ ሰብ ምምላስ ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ኣብ ወሰናስን ብሰንኪ ድኽነት ይኹን በደል ወይ ኣድልዎን ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ኣብ ዝነብሩ ሰባት ምስ ጐይታ ንራኸብ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኪኖ ክፍሊ መጽናዕትታትን መጻሕፍትን ብዝህልው ርክብ ኣቢልና ቲዮሎጊያዊ ርድኢትናን ኣረኣእያናን ይኽፈትን ይህብትምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ረድኤት ማሕበራትን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ እተሰምየ ማሕበር ሓላፍን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነህዛብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምኽትል ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እናቴ ናታሊ በኩርት ናይ ዓንቀጸ እምነት  ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ኣርማንዶ ማተዮ ካብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ስፐይንን ቺለን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ፊሊፒንስ ኣውስትራሊያን ዝመጹ ልኡካን ከም እተሳተፉን፥ ድኽነትን ድኻታት ዝውንግሉና ወይ ብወንጌል ዝልውጡና ምዃኖም እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር፡ ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ እትውለድ ኣብ ህላወኣዊ ወሰናስን ምዃኑ ዝመስከረን እዩ፥ ስለዚ ሎሚ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝድለ ቲዮሎጊያ ህልውናኣዊ ወሰናስን - ዝብልን - ኣብ ህልውናኣዊ ወሰናስን ኮይንካ ቲዮሎጊያ ምግባር ምዃኑ ብዘፊሕ ዘተሓሳሰበ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ሃውሲ - እምነት ምምሃር

ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን ቲዮሎጊያን ኣተኩይሮም፥ ካብ ህላወዊ ወሰናስን ቲዮሎጊያ ናይ ምኽዋን መደባት ነቶም ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ሓድሓደ ግዜ ዋላ ወሰን ቤተ ክርስቲያን ክኾኑ እውን ዝግደዱ ብጥቓና ናይ ዝሓልፍ ጐይታ መግለጽን ናብኡ ክንከይድን ወንጌል ከነስፍሕን ብፍላይ ብኣኣቶም ከም እንውንገልን ዘረጋገጽ ካብ “sensus fidei - ሃውሲ እምነት” ምምሃር ዘለዎ ኣገዳስነት ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝብልዎ፥ “ሓይልና ኣብቶም ከነገልግሎም እንደሊ ኢና እንረክብ” ኢሎም፥ ከምኡ እውን ከምቲ ካርዲናል ታግለ ዘስተብሃልሉ፥ “ድኽታት ወንጌል ይሰብኩና - ይውንግሉና።” ነቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነገልግል ናብ ወሰናስን ህልውንና ከተማታትናን ክንከይድ እንኮለና እቲ ዝተንስአ ኣብኡ ክንረኽቦ ንኽእል፡ ከም ኣባላት ህያው ኣካል ክርስቶስ መጠን ምትሕግጋዝን ቅርበትን ብምንባር።

ካብ ክፍልታት መጽናዕቲ ቲዮሎጊያ ናብ ወሰናስን ቲዮሎጊያ

“ሰናይን ቅኑዕን ቲይሎጊያ ናብ ወሰናስን ሕብረተሰባትና ኣብ ምውጻእና ክምንጭው ይኽእል” ዝበሉ ካርዲናል ችዘርንይ ኣስዒቦም፥ ስለዚህ ናብ ቤት ትምህርቲ ወሰናስን ምባል” ኣገዳሲ እዩ ኢሎም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ንምኽዋን ምስማዕን ንኻልኦት ንምርኻብን ክፉታት ምዃንን ይሓትት፡ ቲዮሎጊያ ምሕሳብን ምፍጻመን ምዃኑ ድማ ኣስተብሂሎም ክልቲኦም ማለት ምሕሳብ ምፋጽምን ቲዮሎጊያ ካብቲ እነብረሉ ክውንነት እውን ጭቡጥ ግብኣት ከም ዘድልዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዝበለጸ ምርዳእ ክውንነት ካብ ወሰናስን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፥

ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን . . . ኣብ ህይወት ሰባት ዝተኣሳሰሩ እዮም። ኣባና ብሓባር እዮም ዝነብሩ። ካብ ህላወኣዊ ወሰናስን ቲዮሎጊያ ምግባር ንኣምላኽ ኣብዚ ምትእሳር እዚ ንምርኣይን ክዛረበና ንምፍቃድን ዝሕግዝ መገዲ እዩ፡”

ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዝያዳ ምስማዕ

ኣብ መደምደምታ መደረኦም ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጳጳሳትን ኣብቲ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎቶም ንምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝገብርዎ ደገፍን ብፍላይ “ምስማዕን ምልላይን” ከም ዘድልየና ዝሕብር እዩ። ኣብዚ ድማ ቲዮሎጊያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥራይጥ ዘይኮነስ ኣብ ምብጻሕ ተልእኾና እውን መሰረታዊ ተራ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ “ብዘይ ኣስተንትኖ ብዘይ ምስማዕን ምስትውዓልን ተልእኾ የለን፡” ከምኡ እውን ቲዮሎጊያና በቲ ኣብ ተልኾና ዘጋጥመና ክውንነት ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ወሰናስን ዝነብሩን ዝቃለሱን ሓገዝናን ቅርበትናን ዝልሙ ዝፍተን ክኸውን ይኽእል፡ ኣብዞም ብድሆታት ሃውሲ እምነት ወሰናስን ንሓሳባትናን ተልእኾናን ብዙሕ መምርሒ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Oct 2022, 16:14