በነዲክቶስ መበል 16: ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ትርጒም ዘለዎን ኣድላይን እዩ
ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኦሃዮ ኣብ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውን ስተውበንቪል መንበረ ጥበብ “ስነ ኤቅለስያ ብፍካረ ጆሰፍ ራትዚንገር” ብዝብል ኣርስቲ ተመሪሑ ናብ እተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ኣገዳስነትን ሕድሪን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዕምቆት ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ ዘብዓለትሉ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ስተውበንቪለ ኣብ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን መንበረ ጥበብ፥ ስነ ኤቅለስያ ኣብ ፍካረ ጆሰፍ ራትዚንገር ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 20 – 21 ጥቅምቲ 2022 ናብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብይብጻሕ ናይቲ መንበረ ጥበብ ኣቦ መንበር ኣባ ዳቨ ፒቮንካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ትርጒም ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላዪ እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ መልእኽቲ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንተጋባእያን ዘንበቡ ናይ ማሕበር ጆሰፍ ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኢየሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባድሪ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣድላዪ እዩ ነይሩ
በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ስቱበንቪል ኣብ ዝርከብ ናይ ፍራንቸስካውያን መንበረ ጥበብ፥ ኣብ መጽናዕታዊ ኣተሓሳስባይን ጻዕርታተይን ተመስሪቱ ስነ ኤቅለስያ ኣብ ፍካረ ጆሰፍ ራትዚንገር ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክካየድ ንዓይይ ዓብይ ክብርን ሓጐስን እዩ” ቢሎም፥ “ኣብ 1946 ዓ.ም. ቲዮሎጊያዊ መጽናዕተይ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ይዝከረኒ ብዛዕባ ኵላዊ ጒባኤ ዝሓስብ ሓደ’ኳ ኣይነበረን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ‘ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን’ ንኽካየድ እጽውዕ” ቢሎም ምስ ኣወጁ፥ ንዅሉ ከም ዘገረመን ብዙሓት እውን የድሊ ድዩ ኣየድልን ዝብል ብዙሕ ሕቶኣትን ጥርጣረታትን እውን ፈጢሩ እዩ፥ ብሓቂ ክካየድ ድዩ ዝብል ሕቶ እውን ይላዓል ነይሩ እዩ”፡ ስለዚህ ርድኢታትን ሕቶታትን ኣብ ምሉእ ኵላዊ ጒባኤ ምውዳብን በዚ ኸኣ ንቤተ ክርስቲያን ኣንፈት ጉዕዞኣ ምሃብ ዝብል ሓሳብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክስማዕ ገይሩ እዩ።
ሓድሽ ጒባኤ ቤተ ክርስቲያን ትርጒም ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላዪ እውን ምዃኑ ተረጋጊጹ!
በነዲክቶስ መበል 16 ንመጀመሪያ ግዜ “ቲዮሎጊያዊ ስነ ሃይማኖት ሕቶታት ኣብ ሱር በተኻውነቱ ክርአ ገይሩን ኣብ መንጐ እምነት ተራ ምኽንያት ዓለምን ዘሎ ርክብ ብጥልቂ ብምድህሳስ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣመላኺቱን እዩ” ስለዚ እዚ ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ኣርእስቲ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብኸምዚ ዓይነት መገዲ እዚ ክድህሰስ ዝብል ግምት ኣይነበረን፡ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ነዚ ዅሉ ተሓቢኡ ዝመስል ዝነበረ ሓሳብን ሕቶታትን ክወጽእ ገይሩን መልሲ ክህበሉ ፈቲኑን ሂቡሉን እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ርድኢት መታን ክህሉ ምዕያይ
ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ኣብ መጀመርታ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ ሓድሽ ንጹርነት ካብ ምሃብ ንላዒ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘየረጋግኣን ዘናውጻን እውን እዩ ዝኸውን ዝብል ፍርሒ ከም ዘለዓዓለን እዚ እውን ምኽንያታዊ እዩ ነይሩ!
እንክብሉ ኣብሪሆም ስለዚ እቲ ኣብ ፍራንቸስካውያን መንበረ ጥበብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ፥ “ኣብዚ ዘመንና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ቅኑዕ ርድኢት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሓጋዚ ክኸውን እዩ” ዝብል ልባዊ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ትርጉም ዘሎዎን ኣገዳስን እዩ ነይሩ፥ ሕጂ እውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።