ድለ

እምነትን ስነ ምርምርን ኣብ ዘተ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኦዲፍረዲ እምነትን ስነ ምርምርን ኣብ ዘተ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኦዲፍረዲ  (L'OSSERVATORE ROMANO)

እምነትን ስነ ምርምርን ኣብ ዘተ በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኦዲፍረዲ

“ኣብ መገድ ምድላይ ሓቂ”

ኣብ መንጐ ስነ ምግባርን ስነ ሰብእን መፍንፈሳውነትን እተጓዕዘ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ በመል 16ን ኢጣሊያ ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኦዲፍረዲን ዝተገብረ ዘተ “ኣብ መገድ ምድላይ ሓቂ” ብዝብል ኣርእስት ብቤት ማሕተም ሪዞሊ ተሓቲማ ዕለት 6 ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ንንባብ ከም ዝበቕዐት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በመዲክቶስ መብል 16 ኣብቲ ምስ ናይ ስነ ሒሳብ ሊቅ ኢጣሊያ ኦዲፍረዲ መልእኽቲ ብምልውዋጥ ዝተኻየደ ስነ ምርምራዊ ናይ ሓሳብ ልውውጥ ዓሚቕ ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ መንጐ ኣማንን ኢኣማንን ዝተኻየደ ዘተ እውን ብምንባሩ ነቲ እግዚኣብሔር ዝጋርድን ዘርስዕን ባህሊ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ወይ ሸለል ዝብል ባህሊ መልሲ ዝህብ ዘይኮነ ዘበራብር ምዃኑ ናይ ማሕበር በነዲክቶስ - ራትዚንገር ኣቦ መንበር ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ እታ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ድሕሪ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዘብርሁን፥ እቶም ኢኣማኒ - ኢእግዚኣቤራዊ ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኢጣሊያ ፒየርጆርጆ ኦዲፍረዲን ካብ 2013 ክሳብ 2020 ዓ.ም.ም. ዝተኻየደ ኣብ  መንጐ ስመ ምግባርን ስነ ሰብእን መፍንፈሳውነትን እተጓዕዘ ኣብ መንጐ በነዲክቶስ በመል 16ን ኢጣሊያ ናይ ስነ ሕሳብ ሊቅ ኦዲፍረዲን መልእኽቲ ብምልውዋጥ ዝተገብረ ዘተ “ኣብ መገድ ምድላይ ሓቂ” ብዝብል ኣርእስቲ ተጠርኒፉ ድሕሪ ምጽናሕ መጽሓፍ ንምዃን ክበቅዕ ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ንኦዲፍረዲ ኣብ ዘመሓለፍዎ መልእኽቲ፥ “ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ኢየሱስን ዘለኵም ኣልቦ ዕረፍትን ምጭናቕን የሐጉሰኒ፡ እዚ እቲ

ሓደ እግዚኣብሔር ንኽትደልዮ ዝድርኽ መገዲ ብምዃኑ እግዚኣብሔር የሎን ንእግዚኣብሔር ኣሎ ንምባል ዘመላኽቶ መገዲ ብጥቅሊ ንኸተለልይ ዝሕግዝ ብምዃኑ እዩ” ፡ ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮምሉ ከም ዝነበረ ኣባ ሎምባርዲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የዘኻኽሩ።

07 Oct 2022, 16:05