ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ኵናት ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣይበቅዕን” ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ኵናት ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣይበቅዕን” 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ “ኵናት ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣይበቅዕን”

ቅድስቲ መንበር ምስ ረፓብሊካዊት ኮርያን ብሓፈሻ ምስ ሃገራት እስያ ዘለዋ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ዝምድናታት ኣብ እስያን ኣብ መላእ ዓለምን ነባሪ ሰላምን ሓቀይና ስኒት ንኽረጋገጽን ውሕስ ንምግባርን

ብምኽንያት መዓልቲ ሃገራዊ ምስረታ፥ ረፓብሊካዊት ኮርያ፥ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክብ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ “ውግእ ንጸገማት ኣይፈትሕን፡ ኵሉ ግዜ ብስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ እዩ ዝፍታሕ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ደጊሞም ገሊጾም፡ ዘተ ሓለፋ ዝብል ኣገባብ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ህዝብታት ክረጋግጽ ዝኽእል ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽባር ዘተ ኣብ ምድንፋዕ ዝተመርኮሰ ሓቀይና ናይ ሰላም ባህሊ ምድንፋዕ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ህጹጽ እዩ።” ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 7 ጥቅምቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ረፓብሊካዊት ኮረያ ልኡከ መንግስቲ ቾ ክዮ ሆ ብምኽንያት መዓልቲ ሃገራዊ ምስረታ ኣብ ዘዳለውዎ ዓውደ ርክብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝኾነን፥

ኣህጉራዊ ግጭታት ንምፍታሕ ኵናት ዘይምቹእ መጋበርያ እዩ!

ብጹዕነቶም በቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵናት ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ንሰላም ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ካልኦት ዕጥቃዊ ግጭታት ዝልለይ ህልዉ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድር  ጠቒሶም፡ ኵናት “ንሰብኣዊ ፍጥረትን ባህርያዊ ጸዋዕታ ንሰላምን ብቑዕ ስለ ዘይኮነ ኣህጉራው ግጭታት ንምፍታሕ ፍጹም ዘይምቹእ መጋበርያ” ተባሂሉ ክሕሰብን ከም ዘለዎ ኣስሚሮም፥ ካብ 1979 – 1990 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝነበሩ ነፍሰ ሄር ካርዲናል ኣጐስቲኖ ካዛሮሊ ጠቒሶም፥ “ጸሊም ደመና ኣብ ኣድማስ ክእከብ እንከሎ፥ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ  ተዋሰእቲ ብዕቱን ከስተንትኑን ብሓይሊ ክዋስኡን ጥራይ እያ ጻውዒት እተቕርብ” ምስ በሉ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ካዛኪስታን ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት፥ ሰላም “ካብ ሕውነት ዝምንጩ ኣንጻር በደልን ዘይማዕርነትን ካብ ዝግበር ቃልሲ ዝዓበየ ናብ ካልኦት ብምብጻሕ ዝህነጽ” እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ረፓብሊካዊት ኮርያ ካብ እተመስረተትሉ 1948 ዓ.ም. ጀሚራ “ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንሓልዮት ጽቡቕ ሂወት ህዝባን ዝተመርኮሰ ናጽነትን ደሞክራስን ንምድንፋዕ ቃል ከም ዝኣተወት ዘኪሮም፥

ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብን ዝምድናን ምስ ኮርያ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መንጐ ረፓብሊካዊት ኮርያን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብን ዝምድናን ኣብ 1963 ዓ.ም. ዝተበገሰ ከም ዝኾነ ዘኪሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ርእሰ ብሔር ሙን ዘ ኢን ኣብ 2018 ደሓር እውን ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን እዚ እውን ነቲ ዘሎ ሰናይ ዝምድና ዝምስክር እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅድስቲ መንበር ምስ ረፓብሊካዊት ኮርያን ብሓፈሻ ምስ ሃገራት እስያ ዘለዋ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ዝምድናታት ኣብ እስያን ኣብ መላእ ዓለምን ነባሪ ሰላምን ሓቀይና ስኒት ንኽረጋገጽን ውሕስ ንምግባርን ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኮርያን ዝተኣትወ ናይ ምትሕብባር ናይ ሓባር ቃል ኪዳን” ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ፥ መንግስቲ ረፓብሊካዊት ኮርያ ነታ ኣብ ሃገሩ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዋ ኣበርክቶ ምኽንያት ዝሃባ ሽልማት ዘኪሮም ድሕሪ ምምስጋን፡ ቅድስቲ መንበር እውን ኣብ መላእ ሓውሲ ደሴት ኮርያ፥ ንዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ባህጊ ከእተሰንይን ከም እትድግፍን ኣረጋጊጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ሰሜን ኮርያ መንግስቲ እንተድኣ ተዓዲሞም ንሰሜን ኮርያ ክበጽሑ ዘለዎም ብርቱዕ ድሌት ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Oct 2022, 16:31