ድለ

ብጹዕ ካርዲናል ዘናሪ፥ ሶሪያ ለማኒት ሃገር ክትከው ኣይንፍቀድ!

እቲ ኣባይቲ ሕክምና ኵሎም እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት እንታይ ሃይማኖቶም ብዘይገድስ ንዅሉ ኣገልግልት ዘቕርብ

ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ዘናሪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ኣባይቲ ሕክምና ነቲ ብሰንኪ “ዝተረስዐ” ግጭት ኵሉ ነገር ዝተሓረመ ህዝቢ ኣገዳሲ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ኣብ ዝረከባሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም እውን “ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ማእከላይ ምብራቕ ከይርሳዕ” ኣብ ዝግበር ወፈራ ሓገዝ ኣበርቲዑ ክሳተፍ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ 13.5 ሚሊዮን ሶርያውያን ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ካብዚኦም እቶም 11.5 ሚሊዮን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከም ዘይረኽቡን ካብዚኣቶም ኣቶም 40 ሚእታዊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምዃኖም ይፍለጥ።

ውጥን ክፉት ኣባይቲ ሕክምና

ከምቲ ብጹዕ ካርዲናል ዘናሪ ዝጠቐስዎ ኣብታ ብሰብኣዊ ቅልውላውን ብስእንት ኣገልግሎት መውሃቢ ጥዕናን ኣብ ጽንኵር ኩነት ኣብ እትርከብ ሃገረ ሶርያ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣዚዩ ህጹጽ ዝኾነ ጒዳይ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ብጹዕነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘቐርብዎ ብዝነበረ ጻውዒት ምኽንያት ዘይመኽሰባውን ዘይመንግስታውን ናይ ምትሕብባርን ምዕባለን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ግምት ብምእታው እተን ሰለስተ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ካልኦት ብሰንኪ ቍጠባዊ ሕጽረትን ብዋሕዲ ሰራሕተይናታት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕን ምሉእ ዓቕመን ኣብ ጥቕሚ ከውዕላ ዘይከኣላ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ኣገልግሎት ክውዕላ ስጒምቲ ክወስድ ከም ዝወሰነን እዚ መደብ እዚ እተን ኣብ ዶማስቆ ዝርከባ ቤት ሕክምና ኢጣሊያ ቤት ሕክምና ፈረንሳ ኣብ ኣለፖ ቤት ሕክምና ሰይንት ልዊስን ዝምልከት ኮይኑ እዘን ኣባይቲ ሕክምና መሰረታዊ ጽገና ረኺበን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕላ ዝብል ከም ዝኾነን እቲ ዳግማይ ሕንጸት ኣባይቲ ሕክምና ይቕጽል ከም ዘሎን፥ እዚ ውጥን እዚ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ በዘን ኣባይቲ ሕክምና ልዕሊ 80 ሺሕ ህሙማን ብናጻ ሕክምና ከም ዝረኸቡን እቲ ሸቶ ናይቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዅሉ ዝብል ኮይኑ ኣብ 2024 ዓ.ም. ን140 ሺሕ ህሙማን ዘድሊ ሕክምና ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ናይ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ናይ ምትሕብባርን ምዕባለን ግብረ ሰናይ ማሕበር ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።

ዕንቅፋታት ምብዳህ ምትእምማን ምሕናጽ

እቲ ኣባይቲ ሕክምና ኵሎም እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሰባት እንታይ ሃይማኖቶም ብዘይገድስ ንዅሉ ኣገልግልት ዘቕርብ ከም ዝኾነን ብጀካ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እተን ብካቶሊዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ መንጎ እቲ ብዝተፈለየ ማሕበረሰብ ዝቖመ ምትእምማን ክህሉ ብሓባር ናብ ሰላም ከብሉ እውን ምትእምማንን ሰላምን ኣብ ምሕናጽ ዓቢይ ግደ ከም ዘለዎ ይንገር።

ተስፋ ንምድሓን

“ኣብዚ ሕጽረት ኵሉ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጒዳያት ኣብ ዘለሉ እዋን፡ ኵሎም መንእሰያት ሶሪያ ካብታ ሃገር ክወጹን መብዛሕቲኦም ዳርጋ ከም እተሰዱን ተስፋ ትመውት ዘላ ትመስል ኢሎም፥ ንሶሪያ ልሳን ንዅና ገዓራ ጽን ንበል ንሓገዛን ሕንጸታን ንተሓባበር እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ነዛ ሃገር እዚኣ ብእግራ ደው ክትብል እምበር ተመጽዋቲት ኮይና ክትተርፍ ኣይንሕደጋ እነቕርቦ ሓገዝ ኵሉ ገዛእ ርእሳ ናብ ምኽኣል ዘሰንያን ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

03 Sep 2022, 16:42