ድለ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ስፖርት ንዅሉ” እተሰምየ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ይእንገድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ስፖርት ንዅሉ” እተሰምየ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ይእንገድ  (Vatican Media)

ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ስፖርት ንዅሉ” እተሰምየ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ይእንገድ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ጒባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝርከቡን ኵሎም ተጋባእያን ብዛዕባ ስፖርት ዝምልከት ዘጽደቕዎ ስፖርት ንሰብኣዊ ዕብየት ኣብ ዝብል መዳይ ብተወፋይነት ክዓዩ ምዃኖም ዘረጋገጽ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከቕርቡን ኣብ ቅድሚ ቅዱስነቶም ክታሞም ከንብሩን

ዕለት 28 መስከረም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳብ ዕለት 30 መስከረም 2022 ዓ.ም.  ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ናይ ሲኖዶስ ሓድሽ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ “ስፖርት ንዅሉ፥ ውሁድ፡ ተበጻሒን ንነፍሲ  ወከፍ ሰብ ዝምጥንን” ብዝብል መርሕ ቃል ኣህጉራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተጋባእያን ክቡር ዋጋ ስፖርት ንሰብኣዊ ባህላውን መንፈሳውን ዕቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ከጉልሑን ክምስክሩን ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዕለት 29 መስከረም ዝተበገሰ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ዝተኣንገደ ኣህጉራዊ ዓውደ ኣኼባ ኣፍቀርቲ ስፖርትን ወከልቲ ዓበይቲ ናይ ስፖርት ጒዳይ ዓበይቲ ኣካላትን ውሩያት ስፖርተይናታትን ተኣኪቦም ብዛዕባ ማሕበራዊ ሓላፍነት ስፖርትን ከምኡ እውን ኣብ ስፖርት ምስታፍ ሰብኣውን ባህላውን መንፈሳውን ዕብየት ክስፍሕ ከም ዝኽእል ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ይዝትዩ ምህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስፖርት ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርትን ምዕዳንን መሰረት ዝገበረን ጻውዒት ቅዱስነቶም ብምእንጋድ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ስፖርት ንዅሉ

እቲ “ስፖርት ንዅሉ፥ ውሁድ፡ ተበጻሒን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምጥንን” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ናይ ዓለማውያንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፍት ምስ ናይ ባህሊ ጒዳይ ዝከታተል ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ምስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ትካል ንስፖርት ብምታሕብባር ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም.  “ስፖርት ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዓዕላ ዝተበገሰ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኪሩ፥ ኣብ 2018 ዓ.ም. እውን “ናይ ገዛእ ርእስኻ ብሉጽነት ምውፋይ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ስፖርት ዝምልከት ፍሉይ ሰነድ ከምዝወጸ የዘኻክር።

ናይ ሓባር ውሳኔ

ኣብቲ ዋዕላ ናይ ስፖርት ዓለም ሰለስተ መግለጺ ባህርያት ዘለዎን እዚ እውን ምትእስሳርን ተበጻሕነን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝምልከትን ብምሕቋፍ ናብ መጻኢ ክትጥምት ዝጽውዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከቕርብ እዩ። እቲ ቀዳማይ መዳይ ብዛዕባ ምትእስሳር ኣብ መንጎ ተራን ስፖርት ከም ሙያ ምንባርን ዘሎ ክፍተት ምንካይ ከም ዘድሊ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኣብ ስፖርት ዝሕሎን ዝድገፍን ክብርታት የቕርብ። እቲ ካልኣይ ተበጻሕነት ኩሎም ሰባት ማሕበራዊ ድሕረ ባይታኦም ብዘይገድ ድኽነት ይኹን ስደተይናነት ቤት ማእሰርትን ኩነት ዘይብል ስፖርት ናይ ኩሉ መሰል ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ፡ እቲ ሳልሳይ ባህሪ ድማ ኩሎም ሰባት ስፖርት ክለማመዱ እዚ ኸኣ ኣካላዊ ይዅን ስነ ኣእምሮኣዊ ብድሆታ ወይ ጸገማት ምስ ዘጋጥም ውሑስ ክኸውን መሰል ኵሉ ምዃኑ ዝሕብር ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብዚ ዕለት 29 መስከረም ዝተጀመረ ዋዕላ ካብ ናይ ስፖርት ዓለም - ኣትሌታታትን ኣሰልጠንትን ኣካየድቲ ጒዳያት ስፖርትን ዝርከብዎም ካብ ኣህጉራውያን ናይ ስፖርት ፈደረሽን ዝተዋጽኡ ስፖርት ከም ሙያ ዘይኮነ ከም መሕለፊ ግዜ ዝጥቀሙሉን ዝሓቝፋ ማሕበራት ዝውክሉ ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሕብረተሰብ ኣብ ስፖርት ናይ ምስታፍ ዓቕሙ ከማዕብልን ስፖርት ከዘውትርን ዘተባብዑን ዝድግፉን ናይ ስፖርት ባህሊ ዘስፍሑ ዘይ መንግስታውያንን ዘይመኽሰባውያን ትካላት ዝውክሉ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 200 ተግባእያን ይሳተፉ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ብሓባር ምዕያይ

ኣብ መዛዘሚ እቲ ጒባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝርከቡን ኵሎም ተጋባእያን ብዛዕባ ስፖርት ዝምልከት ዘጽደቕዎ ስፖርት ንሰብኣዊ ዕብየት ኣብ ዝብል መዳይ ብተወፋይነት ክዓዩ ምዃኖም ዘረጋገጽ ናይ ውሳኔ ሰነድ ከቕርቡን ኣብ ቅድሚ ቅዱስነቶም ክታሞም ከንብሩን እቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ ድሒሩ ንዅሎም ስፖርተይናታት ብፍላይ ነቶም ሰብን ስፖርትን ብክርስትያናዊ ራእይ ዝምልከቱን ክዝርጋሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 September 2022, 15:57