ሊቀ ጳጳሳት ፐኛ ፓራ ኣብ ኢስት ቲሞር ንሓዋርያዊ ዑደት
ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሓፈሻዊ ጒዳያት ትኵእ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐይና ኣብ ኢስት ቲሞር ርእሰ ከተማ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሓድሽ ሕንጻ ክምርቑ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 19 መስከረም ከም ዝጀመሩን ኣብዚ ክሳብ ዕለት23 መስከረም ዘካይድዎ ዑደት ምስ ናይ መግንስቲ ኣካላትን ምእመናንን ኣብ ዴሴታት ኢንዶነዥያ ምስ ዝርከብ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብን ላዕለዎት ናይ መግንስቲ ኣካላትን ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ትኵእ ሓፈሻዊ ጒዳያት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐንያ ፓራ ኣብ ርእሰ ከተማ ዳሊ ዝተሓንጸ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ንኽምርቑ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብጻሕ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ቤተ ክርትያንን ክራኸቡ ምዃኖም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ርክብ ምስ ተኣዋቲ ናይ ሰላም ኖበል፥ ኾሰ ራሞስ ሆርታ
ብጹዕ ኣቡነ ፐይና ፐራ ኣብዚ ክሳብ ዕለት 23 መስከረም ኣብ ዘካይድዎ ዘለው ዑደት መንግስታውን ማሕበረሰብኣውን ኣኼባታት ዘጠቓልል ከም ዝኾነን፡ እቲ ቀዳማይ ወግዓዊ ኣኼባ ዕለት 19 መስከረም ምስ ርእሰ ብሔር ኣብ 1996 ዓ.ም. ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖበል ኾሰ ራሞስ ሆርታ ዘካየድዎ ኮይኑ፡ ስዒቡ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብመሰረት እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍንራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል - ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ብዝብል ኣርስቲ ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ንምትግባር ዘገልግል ኣብ ኢስት ቲሞር ዝተሓንጸ “ሰብኣዊ ሕውነት ንዓለም ሰላም” ማእከል ከም ዝመረቑ ኣፍሊጡ።
ዋዕላ ሰብኣዊ ሕውነት
ብጹዕነቶም ዕለት 20 መስከረም ሰነድ “ሰብኣዊ ሕውነት” መሰረት ዝገበረ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ኢስት ቲሞር ኣብ ዝርከብ መንበር ጥበብ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጒባኤ መደረ ከም ዘስምዑን ድሕሪ ቐትሪ ሓድሽ ሕንጻ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ክምሩቑ እዮም፡ ዕለት 21 መስከረም ኣብ ባይሊደ ራይሁን ኣብ ዝርከብ ብደናግል ካኖሳውያን ዝመሓደር መእለዪ ድኻታት ሕጻናት ምብጻሕ ከካይዱን ኣብ ኢስት ቲሞር ናይ ዝርከባ ናይ ኵለን ሰበኻታት ናይ ሓባር ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዎጳውሎስን መካነ መቓብር ቅዱስ መስቀልን ማህድር ቤት መዘክር ጽንዓት ኢስት ቲሞር ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክብሪ ንቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ
ሓሙስ ዕለት 22 መስከረም ምስ ናይ ኢስት ቲሞር መራሔ መንግስቲ ታውር ማታን ራኡክ ክራኸቡን ስዒቡ ድማ ኣብ ካቴድራል ርእሰ ከተማ ዲል መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣብ ታሲ ቱሎ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኢስት ቲሞር ኣካል ሃገረ ኢንዶነዢያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዕለት 12 ጥቅምቲ 1989 ዓ.ም. ንዝኽሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዝቖመ ሓውልቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክበጽሑን ዕለት 23 መስከረም ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፐና ፓራ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገራዊ ባይቶ ኣኒኤቶ ጉተረስ ሎፐስ ክራኸቡ እዮም።
ናጽነት ኢስት ቲሞር ኣብ 2020 ዓ.ም.
ኢስት ቲሞር ካሳብ 1973 ዓ.ም. ግዛእት ፖርቱጋል ከም ዝነበረት ደሓር ከም ኣካል ኢንዶነዢይ ኮይና ከም ዝጸነሕትን ድሕሪ ነዊሕ ዓመጽን ምስሕሓባትን ኣብ 2020 ዓ.ም. ሉኣላዊት ሃገር ኮይና ከም ዝቖመትን ካብ 2007 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ኾሰ ራሞስ ሆርታ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ከም ዝመርሕዋን ኣብ 2022 ዓ.ም. ዳግም ርእሰ ብሔር ኮይኖም የገልግሉ ከም ዘለዉን ብጹዕ ኣቡነ ካርሎስ ፊሊፐ ክሲመነስ በሎ ሓዋርያዊ መስተናብር ዲሊ ኮይኖም ክሳብ 2002 ዓ.ም. ከም ዘገልገሉን ኣብ 1996 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ንምዃን ከም ዝበቕዑን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።