ሰዓቱ ከይኣኸለ እንከሎ ኣገባብ ምዕባለ ምቕያር!
ካብ 100 ሃገራት ንላዕሊ ዝተዋጽኡ መንእሰያት ናይ ስነ ቁጠባን ሰብ ሃብትን ትካላትን ካብ ዕለት 22 መስከረም ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ኣሲዚ ዘካየድዎ “ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ዓውደ ጒባኤ ንፈለማ ግዜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተረኺቦም ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዕለት 24 መስከረም ከም እተዛዘመን ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ቃል ምዕዳን ቅዱስነቶም ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም. ጀሚሮም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝውክል ኣብታ “ወንጌላዊ ሓሴት” ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘቕረብዎ “መርሓ ፍኖት”፡ ብዛዕባ “ዝቐትል ቁጠባ” ተዛሪቦም ነይሮም። ሎሚ ኵሉ ነገር ኣብ ትሕቲ ሕግታትን ውደራን ናይ ምንባር ሕቶ እውን በዚ ዝፍረድን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ሓያል ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ይምገብ ዝብል። እዚ ኸኣ ሓፋሽ ህዝቢ ግሉል ክኸውን የገድዶ፥ ከም ሳዕቤን ናይዚ ከኣ ብዙሓት ብዘይ ስራሕ ብዘይ ኣጋጣሚ ከምኡ እውን በዘይ መምለጢ መገዲ ስለ ዝተርፉ ተገሊሎም ንኽነብሩ ይግደዱ። ወዲ ሰብ ከም ውዳቕን ጓሓፍን ዝርኢ ባህሊ የተኣታትው ኣሎ። ሰብ ከም ተረፈ ዝምልከት እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ።
እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰረተ እምነት ትምህርቲ ካብ ዘይምፍላጥ ብዙሓት ማርክሳዊ ዝብል ክሲ ከቐርበሎም ከም ዝገበረ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም፥ ንፍርዲ ቅድሚ ምጒያይ ግና ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ ምፍላጥ የድሊ ኢሎም።
ሓድሽ ኣገባብ ልምዓት የድሊ!
ቅዱስነቶም፥ ብለበዳ ኮሮና ተህዋስን ኲናትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ዘሎ ሰብኣውነት ከነድሕን እንተኾይንና ነቶም መንእሰያት ኣብ ኣገባብ ልምዓት ልወጢ ክግበር ብህጹጽ ንመላእ ዓለም ጻውዒት ከቕርቡ ካብ ኣሲዚ ብንጹርን ብዘየማእትእን ቃላት ዳግማይ ይምዕዱ።
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጒባኤ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ተጋባእያን መንእሰያት፥ “ብትንቢታዊ ማዕቅን ዘነቓቕሓና ቁጠባ፥ ብዛዕባ ኣካባብን ምድርን ኵሉ ፍጥረትን ዝግደስ ራእይ ከም ዘድሊ የመላኽቱ። ብዙሓት ኣብ ስነ ምህዳር ዝግደሱ ሰባትን ትካላትን ክህልዉ ይገብር እውን ኣሎ። ስለዚህ ኣብዚ መገዲ እዚ ንቕድሚት መታን ክንስጒም ዝያዳ ክንጽዕር ኣሎና። ኵሉ ሰብ ድማ ነዚ ክፍጽም ቅዱስነቶም ይዕድሙ፥ ገለ ነገራት ምቕያር እኹል ኣይኮነን፡ ሱር በተኻዊ ለውጢ የድሊ። ብዛዕባ ኣገባብ ልምዓት ክንመያይጠ ኣሎና . . . ክሳዕ እቲ ዝቕጽል ዓውደ ጒባኤ ክንጽበ የብልናን። መሬት ትነድድ ኣላ፥ ኵለ መዳያዊ ለውጢ የድልየና ኣሎ።
መስቀላዊ ዓለም ለኻዊ ጸገማት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ብግቡእ ተቐባልነት ዘይረኸበ ዝግባእ ርድኢት ዘይተወሃቦን ድጋፍ እውን ዘይረኸበ ኣብ ዓለም ዝረአዩ ጸገማት ካብ ሱሩ ንኽመሓው ዝተፈላለየ ጻውዒትን ትምህርትን ኣመሓላሊፎም እዮም፥ ሰብን ተፈጥሮን ብፍላይ ዝተናዕቁን ዝተሓረጒም ዘማእከለ ዓይነት ኣነባብራ ክህሉ ዝብል ዘቕረብዎ ትምህርቲ ነቲ ውደራን ዝዓበየ ነቲ ዝነኣሰ እናተመገበ ይንበር ዝብል ዓይነት ኣገባብ ልምዓት ኣብ ሕቶ ጥራሕ ዘይኮነ ከይሁሉ ዝመርሕ ክነሱ ብዙሕ ሰማዒ ግና ኣይረኸበን።
ህልው ኵነታት ዓለም ምስ 2013 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ዝያዳ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝርአ ዘሎ ውግእ፥ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ መንግስታት ነቲ ብዛዕባ ምህዳር ዝምልከት ዘበገስዎ መደባት ብይጽናሕ ክሕዝዎ ይድርኽ ኣሎ። ቅዱስነቶም ኣብታ “ይሰባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጥሜትን ውግእን ስደትን ለውጢ ናይ ከባቢ ኣየርን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ብዕምቆት ኣመላኺቶም እዮም። ኣብ ኣሲዚ ኣብቲ ንመንእሰያት ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ገዓር ድኻታትን ገዓር ምድርን ሓደ ዓይነት ገዓር እዩ” ቢሎም፡ ሕሰምን ዘይማዕርነትን ዝቕንሱ መፍትሕታት ክምረጹ ዝጠልብ ጒዳይ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም።
መልእኽቲ ተስፋ
እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ ዘንጸላልው ዘሎ ኑክለሳዊ ስግኣትን ዳግም ውደራ ውግእ ኣጽዋርን ንናይ መጻኢ ዓለም ተስፋ ዘቝርጽ እኳ እንተመሰለ፡ ካብ ኣሲዚ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ ዝቐርብ ዘሎ። መንእሰያት ፍልይ ዝበለ ካብ ቍጠባ ሰብኣዊ ማእከል ዝገበረ “ገንዘብ ዘየምልኽ” ሓድሽ ዓይነት ቍጠባ ኣብ ዓለም ክረጋገጽ ዝሕግዝ መገዲ ንኸርህዉ ኣብዚ መዳይ ብመሃዝነትን ተወፋይነትን ክጽዕሩን ዘለዎ ቆራጽ ፍቓድን ድላይን መስኪሮም እዮም። እቲ ዘሎ ኣገባብ ልምዓት ክቕየር ካብ ታሕቲ ንዅሉ ዘሳትፍ ምስ ዝኸውን ከምኡ እውን ንምሬትን ኣብኡ ንዝነብሩ ናይ መጻኢ ዕድል ንምርግጋጽ ንቕድሚት ዝጥምት ምርጫታት ከም ዘድሊ ብዝኣምኑ መንግስታት ጥራይ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ስለገስዎ ቃለ ምዕዳን የመላኽቱ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)