ድለ

ቅድስቲ መንበር ንኹለመዳያዊ ውዕል እገዳ ፈተነ ኑክሌር ከም እትድግፍ ደጊማ ተረጋግጽ ቅድስቲ መንበር ንኹለመዳያዊ ውዕል እገዳ ፈተነ ኑክሌር ከም እትድግፍ ደጊማ ተረጋግጽ 

ቅድስቲ መንበር ንኹለመዳያዊ ውዕል እገዳ ፈተነ ኑክሌር ከም እትድግፍ ደጊማ ተረጋግጽ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ዓለም ሓቖፍ መሰል ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉን ንኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘስግእ ቃላት ኣብ እንሰምዓሉን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እዋን ውዕል ኵለመዳያዊ እገዳ ፈተነ ኑክለር ኣብ ግብሪ ምውዓል

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 21 መስከረም እቲ ኣብ 2002 ዓ.ም. ዝተመስረተ ብኣውስትራሊያ ካናዳ ፊንላንድ ጀርመን ጃፓን ሆላንድን ዝቖመ ውዕል ኵለመደያዊ እገዳ ፈተነ ኑክለይር ዝድግፋ ኣገራት ኣሳቲፉ ኣብ ዝተኻየደ ዓስራይ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ቅድስቲ መንበር ነዚ ውዕል እዚ ከም እትድግፍ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “ዓለም ሓቖፍ መሰል ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉን ንኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘስግእ ቃላት ኣብ እንሰምዓሉን እዋን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ እዋን ውዕል ኵለመዳያዊ እገዳ ፈተነ ኑክለር ኣብ ግብሪ ምውዓል ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ወሳኒ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሰላም ዝጅምር ኣጽዋር ሱቕ ምስ ዝብል እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማእለያ ዘይብሉ ምፍታሕን ንግድ ኣጽዋር ውግእ ደው ምባልን ከም ዘድሊ ደጋጊሞም ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣቃሊሖም፥ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 21 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነቲ “ክቡርን ሰማዕትን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ህዝቢ ዩክረይን ቅርበቶም ጸሎቶም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ኣብዚ “ዘሕዝን ኲናት” ገለ ሰባት “ብዛዕባ ምጥቃም ኑክለሳዊ ኣጽዋር” ይሓስቡ ዘለዉ ከም ዝመስሉ ገሊጾም፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቓም ዝብል ሓሳብ ጥራሕ ንገዛእ ርእሱ “ዕብዳን” ኣዩ ከም ዝበሉ የዘኻኽር።

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዛዕባ ብከላን ዝተበከለ ከባቢታት ቆላሕታ ክግበረሎምን ነቶም ብሰንኪ ኑክለሳዊ መርመራ ዝፍነዉ ነጥርታት ጩራ ንዝሳቐዩ ሰባት ሓገዝ ክግበረሎም ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እዚ ድማ “ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ዝተወልዱን ገና ዘይተወልዱን ቈልዑ ዘለዎ ጽልዋ ከቢድ ምዃኑ ብምዝኽኻር እዩ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እዚ ውዕል እዚ በተን ኑክለሳዊ ጸዓት ንሃይሊ ኤለትሪክን ንኻልእ መሳሊ ኣገልግሎት ምጥቃም ዝብላ  44  ሃገራት፡ ነቲ ውዕሊ ዝድግፋ ምዃነን ዘፍለጣ ክፍርማሉን ኣብ ህዝባዊ ባይቶአን ኣቕሪበን ከጽድቐኦ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎን ቻይናን ግብጽን ህንድን ኢራንን እስራኤልን ሰሜን ኮርያን ፓኪስታን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ውዕል ዘይፈረማ ሃገራት ምዃነን የመላኽት።

23 Sep 2022, 15:35