ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ‘ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብሉ ዓለም ክህሉ ዝከኣል እዩ’
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ኣብ መበል 66 ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ዘካየዶ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ ምጥቃም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝጸረር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ንኽትህሉ ዝክኣል እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገር ንመበል 66 ሓፈሻዊ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥ ኣቐዲሞም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰናይ ምንዮትን ልባዊ ሰላምታን ኣመሓላሊፎም፥ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኑክልየሳዊ መሳለጥያታት ድሕንነት ብምሕላው ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ ግዜ ‘ኑክልየሳዊ ዕንወት” እንክብሉ ዘመላኸትዎ ሳዕቤን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከይህሉ ብዓንተውኡ ንምክልኻል እቲ ኣህጉራዊ ትካል ደኺመ ከይበለ ንዘካይዶ ጻዕሪ” ዘለዎም ሞሳ ገሊጾም፥ “ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ሓያሎ ክፍልታት ዓለም እንርእዮ ዘስካሕክሕ ግጭታትን ዘይምርግጋእን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐጻሊ እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብቓላትን ተግባራትን ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት መፍትሒ ክርከቦ ዝገብር ጻዕሪ ፈጺምና ከይነወግዶ ሓደራ” ቢሎም፥ “ዘተ ሓናጺ ነቐፌታን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ከነማዕብል ዘኽእለና፡ ቅድመ ፍርድታትን ሓሶትን ክንቃወም ዝሕግዘናን እዩ።”
ቅድስቲ መንበር ንዅለን ሃገራት ኵሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ ክዓብሰኦ ደኺመ ከይበለት ጠንቂ ግጭት ብዘተን ምይይጥን ክውገድ ከምዘለዎ ጻውዒት ተቕርብ
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣልቦ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝኾነት ዓለም ክትህልው ዝከኣል እዩ
ብጹዕነቶም ይብሉ፥ “ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ዓለም ኣድላይ ምዃኑን እዚ እውን ዝከኣል ከም ዝኾነ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ቅድስቲ መንበር፥ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ጃምላዊ ጥፋኣት ዜምጽእ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ናጻ ናብ ዝኾነት ዓለም ንምግዓዝ ነቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክልኵል ዝብል ውዕል ከም ዝፈረመትሉን ከም ዘጽደቐቶን ገሊጾም፡ ይዅን እምበር፥ ኣብ መደብ “ምጒዳል ኣጽዋር ውግእ ብዙሕ ንቕድሚት ይስጎም የሎን” እንክብሉ ጓሂኦም ገሎጾም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ “ተስፋ ንኽንቈርጽ ክንፍተን ዝከኣል እዩ” እውን እተተባህለ፡ በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቃፋታት ካብቲ ዕላማ ምጒዳል ናይ ውግእ ኣጽዋር ከነንሳሕብ የብልናን።”
ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ኣብ እንገብሮ ሓባራዊ ጻዕርታት ብጽንዓትን ብቘራጽነትን ንቕድሚት ክንስጒም ኣሎና። ነቲ ዓለም ለኻዊ መሓውር ምቁጽጻር ኣጽዋር ከድኽም ዝደሊ ኣመላኻኽታን ድራኸታት ክእለይን ብፍላይ ከኣ ጃምላዊ ጥፍኣት ከምጽእ ዝኽእል ኣጽዋር ንምውጋድ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓገዝ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት
ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር፥ ህጹጽ ኩነታት ከባቢ ኣየርን ኮቪድ - 19ን ስነ ምህዳራዊ ስነ ምግባራዊ ቈጠባውን ፖለቲካውን ሳዕቤናት ከምዘለዎን “ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደኸዩን ኣዚዮም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓቢይ ስቓይ ከም ዘስዕበሎም” ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ “ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕውነትን ኣብ መንጐ ወዲ ሰብን ከባብን ዘሎ ምትእስሳር ኣብ ምትሕልላይ ዝተመስረተ ንዘላቒ ምዕባል ዝኣመተ ኣገባብ ልምዓት ትድግፍ” ቢሎም፥ ዝማዕበላ ሃገራት ኑክልየሳዊ ዕደ ጥበብ ንሕማምን መንሽሮ ንምፍዋስን ኣብ ዓለም ዘሎ ኣድላይነት መግቢ ንምርዋይ ቀረብ ማይ ውሑስ ንዝገብር መደብን ትግባረኡን ውሁድ ምዕባለ ኣብ ምድንፋዕን ኣብ ፍጥረት ኣምላኽ ዘሎና ሓላፍነት ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ንኽስቆረናን ንኸይንዕብሮን ኣብ ምድጋፍ ፍሉዩ ተራ ከም ዘለዎ ፈሊጥና ነዚ ሰናይ ተግባራት እዚ ክውዕለኦ ይግባእ፡” ማዕረ ማዕረኡ ድማ “ቅድስቲ መንበር ንሃገራት ኑክለሳዊ ስነ ምርምርን እደ ጥበብን ብምጥቓም ብከላ ከባቢ ንምቍጽጻር ኣብ ዝብል መደብ ክነጥፋን ተተባብዕን ኣብዚ መዳይ እዚ ድሮ ብዝተዋፈራ ሃገራት እውን ሕጒስቲ እያ፡” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
“ብፍላይ እቲ ትካል ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ንምምዕባል ብሕማም መንሽሮ ዝተጠቕዑ ዜጋታትን ምሉእ ሕክምና ንኽረኽቡ ኣብ ዝገብርኦ ጻዕሪ ዝድግፍ እውን ብምዃኑ ቅድስቲ መንበር ተድንቖ” ቢሎም እቲ ትካል፥ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከይሰፍሕን ንምውጋድን ከምኡ እውን ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ እደ ጥበብ ክተባባዕን ክሰፍሕን ዘካይዶ ጻዕሪ ቅድስቲ መንበር ተመስግን” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።