ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ፥ መንእሰይ ወለዶ ‘ቀንዲ ተዋሳኢ ለውጢ’ እዩ
መንእሰያት ኣብ ቁጠባን ሕብረተሰብን ሱር በተኻዊ ለውጢ ክግበር ዝብል ጠለብ ብመርሕነት ደረጃ ልዕሊ ኵሉ ዘቃልሑ እያቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ዝቐርቡ ሕቶታት እቲ ኣዚዩ ሱር በተኻዊ ሕቶ እዩ ኣብቲ ካብ ዕለት 22 – 25 መስከረም ኣብ ከተማ ኣሲዚ ኣብ እተዳለወ መደብ “ናይ ፍራንቸስኮ ስነ ቁጠባ” ዘርእስቱ ዓውደ ጒባኤ ካብ መላኣ ዓለም ዝተዋጽኡ 20 መንእሰያት ክሳተፉን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን ንሓድሽ ቁጠባ ዓለም ዝመልከት ስምምዕ ክፍርሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 6 መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ መግለጺ ከም እተወሃበን እዚ ተበግሶ እዚ ሰብውነት ኣብ ማእከል ዘንብር ዝሓሸ ቍጠባ ዓለም ክህሉ ዝላበውን እዚ ንምርግጋጽ ዘኽእል መገዲ ንኽሕብር ዝፍትን ክኸውን እንከሎ ናይዚ መሰረት እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓቛፊ - ዘይንጽል - ንኽልእ ከም ውዳቕ ዘይሓስብ ፍትሓዊ ቍጠባ ክረጋገጽ ዘቕርብዎ ጻውዒት ምዃኑ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ፍራንቸስኮ ቍጠባ ነቲ ህልው መርኣያን ኣገባባትን ቁጠባ ንምቕያር ዝያዳ ንዅሉ ዝሓቁፍ ፍትሓዊ ዝኾነ መጻኢ ንምሕናጽ ናይ ኵሉ ጽፍሕታት ህይወትን ክእለትን መንእሰያት ዝሓቍፍ ዓለም ለኻዊ ምንቅስቃስ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
መንእሰይ መገዲ ይመርሕ
ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ናይ ኣሲዚ - ኖቸራ ኡምብሪያ - ጓዋልዶ ታዲኖን ፎሊኞን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብጹዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ፥ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ቀንዲ ተዋሰእቲ መንእሰያት እያቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ብግንባር ናይ ዓለም ቁጠባ ሰብኣዊ ማእከል ብዝገብር ዓይነት ኣነባብራ ክሕደስ ከም ዘለዎን ከምኡ እውን መንእሰያት ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንቲ ሰብ ሃብትን ትካላትን ብዛዕባ እዚ ዓለም ክልውጥ ዝኽእል ዓይነት ኤኮኖሚ ክመኽሩን ነዚ ድማ ብዘለዎም ፍልጠትን ብቕዓት መሃዝነትን ናብ ባይታ ከውርዶ ዝኽእል መገዲ ንምልላይን ንምሕባርን ዝኣመተ ምዃኑ የዘኻኽሩ።
ናብ ዝሓሸ ለውጢ
ነቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ናይ ስነ ቍጠባ ሊቃውንቲ ወነንቲ ትካላትን ሰብ ሃብትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ናይ ሎሚ ቁጠባ ንምቕያርን ንናይ ጽባሕ ቁጠባ ህይወት ንምሃብን፡ ቃል ኪዳን ምእታውን ነቲ ዝቐርብ ሓሳብ ናብ ተግባር ምቕያር የድሊ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብጹዕ ኣቡነ ሶረንቲኖ ዘኪሮም ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ነቲ ዘቕረብዎ ሓሳብ ኣብነትን ኣርኣያን ድማ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክኸውን ተላብዮም ከም ዝነበሩን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ትውልዲ ቦታ ቅዱስ ፍራንቸስኮ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ኮይኑ ናይቲ ቅዱስ ስም መጸውዕ ዝገበረ ምንቅስቓስ እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እቲ ዓውደ ጒባኤ፥ ሕርሻን ፍትሕን ህይወትን ኣገባብ ሕይወትን ሞያን መኽሰብን ስራሕን ክንክንንን ምሕደራን ህያብን ቈጠባን ሰብኣውነትን ናይ ኤኮኖሚ መምርሕታትን ሓጐስን ንግድን ሰላምን ደቀንስትዮን ንቑጠባን ጸዓትን ድኽነትን ምህዳርን ኣብ ዝኣመሰሉን ኣርእስታት ዝዝትይ ምዃኑን ህልው ኵነታት ዓለም እዚ ኸኣ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝካየዱ ዘለዉ ኵናትን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ዓለማዊ ስምባደ ቍጠባን ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘሳቕይ ተግባራቱን ድሕረ ባይታ ዝገበረ ምዃኑ እውን ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጻማ ናይ ነዊሕ መስርሕ
ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ እውን ብወገነን፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኵነታት ኤኮኖሚ ንኽመሓየሽ ሰብኣዊ ማእከል ዝገበረ ክኸውን ጭቡጥ መልስታትን ዘቕርብን መንእሰያት ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ቁጠባ ኪደትን ቁጠባ ናብ ዝሓሸ ንምቕያር ዝተፈላለየ ሓሳብ ዝቐረበሉ ዓውደ ጉባኤ እዩ ከም ዝበላ ኣፍሊጡ፥
መንእሰያት ብኸመይ ይርእይዎ
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንተግባእያን ናይ ስነ ቁጠባ ሊቃውንትን ናይ ክፍሊ መጽናዕቲ ቁጠባ ተመሃሮ መንእሰያት ወኪሎም ዝተረኽባ ካብ ጓተማላ ሉርደስ አርኩለስ ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ኪደታቱ እንከብርሃ ካብ ብራዚል ታኒያ ሳንታናን ናይ ስነ ቁጠባ ተመሃሪት እውን ብወገነን፥ ኣብ ሃገረን ዘሎ ገዓር ድኻታት ዝመዓራረ መልሲ ንምሃብ ዝብል ድሌት ናቱ ዝገብር ከይዲ ቁጠባ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለዚህ ሰብ ክማእከል እንተድኣ ኮይኑ ፍትሒ መቓን ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ማለት እዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን ዝወሃብ ኣብ ቁጠባ ዘማእከለ ትምህርቲ፥ ነዚ ጒዳይ እዚ ግምት ዘይህብ ብምዃኑ ኪደት ቁጠባ ጥራሕ ዘይኮነስ መደብ ትምህርቲ ቁጠባ እውን ክቕየር ዝጠልብ ዓውደ ጒባኤ እዩ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምስጋና ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
“ናይ ፍራንቸስኮ ቁጠባ፥ መንእሰያት ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጒዳያት እንታይ ጽልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ዘተ ንምብጋስ ብሉጽ መገዲ’ዩ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምኡ እውን ንዅሉ ሰብ ብዛዕባ ህልው ጸገማት ዓለም ኣፍልጦ ክወሃቦ ይገብሩን ነዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ብመንእሰይ ወለዶ ኣቢሉ ክሰፍሕ የነቓቕሑ፥ ቅዱስነቶም መንእሰያት ድምጾም ከስምዑን ክስማዕን ለውጢ ንምምጻእ ድምጺ እቶም መንእሰያት ብዓበይ ወለዶ ክስማዕ ስለ ዝሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ከመስግኖም እፈቱ ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።