ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንዩክልየሳዊ ኣጽዋር ንህላወ ሰብ ሓደጋ እዩ! ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንዩክልየሳዊ ኣጽዋር ንህላወ ሰብ ሓደጋ እዩ!  (AFP or licensors)

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ንዩክልየሳዊ ኣጽዋር ንህላወ ሰብ ሓደጋ እዩ!

ስለዚ ቅድስቲ መንበር ሃገራት ኣብቲ እገዳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ውዕል ዘለወን መርገጺ ብዘየገድስ ኵለን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ኑክልየሳዊ ጸዓት ንእወታዊ ኣውዕሎት ኣብርክቶ ክገብራ ተስፋ ትገብር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምውጋድ ግብረ ገባዊ ግድነት ከም ዝኾነ ደጊሞም ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ወገናት ነዚ ህላወ ሰብ ዓቢይ ሓደጋ ዝኾነ ኑክልየሳዊ ስግኣት ብሓባርን ብዝተዋደደን ኣገባብ ምላሽ ክህብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምሉእ ምውጋድ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፥ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክሳብ ዘሎ ንናይ ሓባር ቤትና ክህሉ ዝኽእል መጻእን ከምኡ እውን ንባዕሉ ህላወ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ናይ ምጥቓም ተኽእሎ ክንነጽጎ ዘይከኣል እዩ ዝኸውን” ቢሎም እቲ ቃል ር.ሊ.ጳ. ንምሉእ ምውጋድ ኑልየሳዊ ኣጽዋር ዝጽውዕ እዩ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምምራት ንዘይምጥቃሙ ኣይወሓሶን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ሰፊሕ ኩናት ናብ ኤውሮጳ ዝምለሰሉን፡ “እቲ ፍንፉን ስግኣት ኣጠቓቕማ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር” የበራብር ምህላውን እዚ እውን ዓለም ንምጥቓም ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ክሳብ ክንደይ ኣብ ጫፍ ከም ዘሎ ዘርእይ ናብ ዓዘቕቲ ኑክልየሳዊ ውግእ ገጹ የብል ከም ዘላ የምስሎ” ስለዚ ምሉእ ብምሉ ምጥፋእ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ቀዳማይ ኣህጉራዊ ዕላማ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ስግኣት ዘምጽእ

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ንምሉእ እገዳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ላዕለዎት ኣካላት ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም፥ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘምጽኦ ዘሎ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ኵሉ ሰብኣውነት ዘለዎ ኣዕናዊ ሳዕቤንን ጸጥታ ዘዳኽም ከቢድ ዋጋ ዘኽፍልን ሓደገይናን ኣህጉራዊ ተሓታትነት” ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብድሆን ግብረ ገብን ሰብኣውን ግድነት” ዝኾነ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝኽኻር፡ ነተን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ( . . . ) ነዚ ዕላማ’ዚ እክንዲ ዘዕውታ ካብኡ ርሒቐን ኣለዋ” እንክብሉ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ውዕል ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይምስፋሕ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ምዃኑ ብጹዕነቶም የዘኻኽሩ

ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምዝማንን ንምስፋሕን ዝግበር ውደራ

ኑክልየስዊ ኣጽዋር ኣክንዲ ምርጋፍ ምስፋሕ እተን ነቲ ውዕል ዝፈረማ ነቲ ኣብቲ ውዕል ዓንቀጽ ሽዱሽተ ዝብሎ ውሳኔ ብምጥሓስ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከዘምናን ከስፍሓን ይርኣያ ከም ዘለዋን እዚ እውን ጽግዕተይና ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናይ ምዃን ድላይ ክብ የብላ ምህላወን እዩ ዘመላኽት። ስለዚህ ኑክልየሳዊ ሓይሊ ኣክንዲ ንኣሉታዊ ተግባር ንእወታዊ ተግባራት ምጥቓም ንዓለም ዋሕስ ሰላም እዩ ዝኸውን፥

ስለዚ ቅድስቲ መንበር ሃገራት ኣብቲ እገዳ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ውዕል ዘለወን መርገጺ ብዘየገድስ ኵለን ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘለወን ሃገራት ኑክልየሳዊ ጸዓት ንእወታዊ ኣውዕሎት ኣብርክቶ ክገብራ ተስፋ ትገብር

ሃገራት ነቲ ውዕል ኩለመዳያው እገዳ ፈተነ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ክሰርሓን ኑክልየሳዊ ጸዓት ንኣሉታዊ ተግባራት ንምጥቓምን ንውሕስነት ሰላምን” ኣሚተን ክመያየጣ ቅድስቲ መንበር ትምሕጸን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምትሕብባርን ሓባራዊ ስጒምቲ ምውሳድን

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሂሮሺማ ቤተ መዘክር ሰላም ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእ ኣብ ሓባራዊ ምትእምማን እተመርኰዘ ከምኡ እውን ኑክልየሳዊ ኣጠቓቕማ ዘምጽኦ ዕንወት ግብረ ሰናይን ኣካባብያውን ሳዕቤናት ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሓባራዊ ምላሽ የድሊ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣቃሊሖም’ ብዛዕባ እቲ ንህላወና ዘስግእ፡ ዜስካሕክሕ ነገራት ከም ዘተሓሳስቦም ብምግላጽ ድማ ሓባራዊ ስጒምቲ ኪውሰድ ጻውዒት የቕርቡ።

ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ሓባራዊ ሸቶና ንምብጻሕ ምሹእ ሃዋሁ ኣብ ምፍጣር ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ንመርምር

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካ ኣፍሊጡ።

28 September 2022, 16:14