ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ ክሌኣዊ ርክብ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ 

ክሌኣዊ ርክብ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ናይ ሩሲያ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ

ዕለት 22 መስከረም ምስ ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ሚንስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወሳኺ መርትዖ ከም ዘቕርቡን ገሊጹ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕንጻ ከም እተራኸቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምኡ እውን ናይ ሩሲያ  ሚኒስትር ጒዳያት ወጻኢ ላቭሮቭ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ - 19 ኣብ ዓለም ዝርአ ዘሎ ዛዕባ ትምህርቲ ዝምልከቱ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ከምዘድሊ ንምልላይ ኣብ ኒው ዮርክ “ትምህርቲ ንምሕዳስ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ንኽመክር ኣብ ዝተጸውዐ ዋዕላ መደረ ብምስማዕ ከም እተሳተፉን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካዛኪስታን ካብ ዕለት 13 – 15 መስከረም ዘካየድዎ መበል 38 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ዛዚሞም ኣብ ምምላሶም ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትቲ “ኵሉ ኣብ ዘተ ክዋፈር ኣለዎ፡ ኣብ ዘተ ነገራት ክንቅይር ዘኽእል ተኽእሎ ኩሉ ግዜ ኣሎ” እንክብሉ ብዛዕባ እቲ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምዃኑ  ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ዕለት 22 መስከረም ምስ ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ሚንስትር ጒዳያት ወጻኢ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዘስመሩሉ ሓሳብ ተወሳኺ መርትዖ ከም ዘቕርቡን ገሊጹ፥ እቲ ርክብ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝተኻየደ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

23 Sep 2022, 15:33