ድለ

እቶም ኣብ መንጐ ጥፍኣትን ሞትን ዘለዉ ዘርኢ ተስፋ እቶም ኣብ መንጐ ጥፍኣትን ሞትን ዘለዉ ዘርኢ ተስፋ  ርእሰ ዓንቀጽ

እቶም ኣብ መንጐ ጥፍኣትን ሞትን ዘለዉ ዘርኢ ተስፋ

ብዙሓት እዚዮም ብዙሓት ክበሃል ይከኣል ብሓቂ ብመሰረት “ውጥን ውግእ” ነቲ ውግእ ንምውጋድ ምሕሳብ ይቕጽሉን ምሕያል ነቲ ዝሓለፈ ወተሃደራዊ ኪዳናትን ነቲ ዕቡድ ቅድድም ዳግመ ዕጥቅን ከም ኣንኰ ተግባራዊ መልሲ ገይሮም ይሓስብዎ

ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊ፥ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎን ሻድሻይ ወርሒ ዘቝጽር ዘሎ ኲናት ዘስዕቦ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታትን ምኽንያት ሰላምን ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንጹሓን ዋጋ ውግእ ይኸፍሉ፥ እዚ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምድረ በዳ ዝነብዕ ዘሎ ድምጺ እዩ ዝመስል፥ ሰማዒ ዘይብሉ! ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ምጅማር እቲ ትርጒም ኣልቦን ዘስካሕክሕን ወራር ዩክረይን፡ ዕንወትን ሞትን ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ሃዋሁ ኑከልሳዊ ግጭት የተኣታትው ኣሎ። ቅዱስነቶም ዕለት 24 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ድሕሪ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ናይ ኵሉ ሰብ ሓላፍነት እናዘከሩ - ክንድዚ ንዝኣክል ጭካነን ንጽላለ ከቢd ዋጋ ዝኸፍሉ እቶም ንጹሓን እያቶም፡ ምኽንያት ኩናት ዕብዳን እዩ፥ ስለዚ ኵሉ እቲ ኣብ ውግእ ኢድ ዘለዎ ኣይዓበድኵን ክብል ኣይክእልን እዩ።”

ነዚ ዝኸውን ዘሎ ማለት ዝርአ ዘሎ ኵናትን ሳዕቤናቱን ክንለምዶ  ኣይንኽእል። ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ዘሰንብድ ውግእን ሳዕቤናቱን ዘመናዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ ሞትን ዕንወትን፥ ንጹሓን ሰባት መስዋዕቲ ከም ዝገብርን ኣባይቲ ስድራ ከም ዘጥፍእን ኣባይትን ንጥፈታትን ከም ዝዓንውን ዝሕብር ዘሰንብድ እንርእዮ ዘሎና ምስልታት ክንለምዶ ዝከኣል ኣይኮነን። ድምጺ ጴጥሮስ ምስቶም መጥቓዕቲ ዝወርዶምን ምስ ኵሎም እቶም በቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ዝሳቐዩን ሓድነትን ቅርበትን ካብ ምርኣይ ኣየቋረጽን፥ ንመራሕቲ እተን ብእተፈላለየ መገድታት ኣብቲ ውግእ ኢድ ንዘለወን ሃገራት ውዕለት ዘለዎ ፍታሕ ክደልዩ ዝምሕጸን እዩ።

ናይዚ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ፍርቂ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ኲናት ውጽኢት ዘሕዝን እዩ። ጃምላዊ መቓብራት ዝሞቱን ዝቖሰሉን ህጻናት፡ ኣብ ግንባር ዝሞቱ ዕሸላት ደቀን ምኽንያት ዝነብዓ ኣዴታት ዩክረይንን ሩሲያን ዘሕዝን እዩ። ዝወርድ ዘሎ ምዝብልና ብምልዮናት ንዝቝጸሩ ዘስዕቦ ሓደጋ ጥሜት ዕንወት ከባብን መራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራውያንን ተቕዋማት ከምቲ ቅዱስነቶም ዝብልዎ “ብትብዓትን ብመሃዝነትን ናይ ሰላም ውጥን” ንምርግጋጽ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ዘርእይ እዩ። ብዙሓት እዚዮም ብዙሓት ክበሃል ይከኣል ብሓቂ ብመሰረት “ውጥን ውግእ” ነቲ ውግእ ንምውጋድ ምሕሳብ ይቕጽሉን ምሕያል ነቲ ዝሓለፈ ወተሃደራዊ ኪዳናትን ነቲ ዕቡድ ቅድድም ዳግመ ዕጥቅን ከም ኣንኰ ተግባራዊ መልሲ ገይሮም ይሓስብዎ። ድሮ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግእ  - እናተኾላለፈ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ቢሎም ባዕሎም ፍራንቸስኮ ከም ዝገልጽዎን እዚ ኸኣ ዓለም ተመሊሳ ናብ ሓድሽ ዝሑል ውግእ ትጥሕል ከም ዘላ መርኣያ እዩ። እዚ እውን ኣብ ልዕሊ ቁጠባውን ጸዓታውን ጒዳይ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሓጺርን ማእከላይን ግዜ ብርቱዕ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ የመላኽቱ።

ኣብዚ ምልክት ዕንወት እዚ ተስፋ ኪርአ ዝከኣል ዶ ይኸውን? እወ ይከኣል እዩ! እዚ ዘርኢ ተስፋ እዚ እቶም ብዙሓት ዜጋታት ነቶም ስደተይናታት ዩክረይን በቲ “ዓውሎማዊ ዘይምግዳስ” ክሰዓሩ ከይፈቐዱ ማዕጾእም ከፊቶም ብብሕቶም ዘቕርብዎ ሓገዝን ዘርእይዎ ልግስን እዩ። ካልእ ዘርኢ ተስፋ ከኣ ንሰላምን ንዘተን ከምኡ እውን ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ክፍሊ ዩክረይን ብብሕቶም ገዛእ ርእሶን ንሓደጋ ብምቅላዕ ምብጻሕ ዘካይዱ ውድባትን ማሕበራትን ጒጅለታትን ዝውከል እውን እዩ። ዘርኢ ተስፋ ኣብ መራሕቶምን ፖለቲካውያን መራሕቶምን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለትን ሁከትን ብውዕላት ደው ከብልዎ ከም ዘለዎም ዝገልጽ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምስትውዓል ዝውክሎ እውን እዩ። ምኽንያቱ ሓድሽ ግጭታት ኣብ ክንዲ ተባዕ ብዝኾነ ሓድሽ ኣህጉራዊ ውዕላት ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ብምህናጽ ዝብል ምላሽ እንተ ዘይረኺቡ ከም ዘለዎ እንተ ቐጺሉ መወዳእታ መላእ ደቂ ሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ ዝኸውን። ኣብ መወዳእታ ንዝኣምን ቀዳማይን ኣገዳስን ዝኾነ ዘርኢ ተስፋ ኣሎ። እዚ ዘርኢ ተስፋ ድማ፥ እቶም ውግእ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ዚጅምር ዝኣምኑ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ብምእታው ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክፈትሖን ነቲ ዘሎ  መከራ ከኣልዮን ንመጻኢ ደቂ ሰብ ኪጸልውን ኪቕይሮን ከም ዝኽእል ብምእማን ዝጽልዩን ብፍላይ ከኣ ጸሎት ትሑታትን ተራ ሰባትን ኣብ ዝምስክርዎ እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኔሊ ዘቕረብዎ ሓተታ ይዛዝሙ።

25 Aug 2022, 16:44