ድለ

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀዳማይ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት፥ ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ! ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀዳማይ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት፥ ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ! 

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀዳማይ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት፥ ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ!

“ኣብ ሓደ ብኣሉታዊ መልእኽቲ ዝልለ ሕብረተሰብ ብኸመይ ተስፋን ሓባራዊ ረብሓን ንምትብባዕን መላእ ሕብረተሰብ ናብዚ ክቡር ዋጋ እዚ ንምውልታው ብሓባር ዝዝትይን ኣብዚ መዳይ እዚ ንምዕያይ” ዝሕግዝ ዓውደ ጒባኤ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ዝሳተፉሉ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት ዘዳለዎ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 1 መስከረም 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሕንጻ ፒዮስ ራብዓይ ዝካየድ ሓድነት ተስፋን ክርብን ዝሰፍሓሉ ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ ዝድግፍ ባህላዊ ተበግሶታት ንምምዕባል ዝሕግዙ ፈጠራዊ ኣገባባትን እማመታትን ዝዝትይ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ውሩያት ስነ ጥበባውያንን መራሕትን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምትሕብባር ነቲ ሓባራዊ ሰናይን ኣድማሳዊ ክብርታትን ስነ ምግብራዊ ስርዓታትን ኣብ መንጎ ሰባት ዝርአ ግጭት ንምውጋድ ዝድግፍን ባህላዊ ለውጢ ንምትብባዕ ስነ ጥበብን መራኸቢ ብዙሓንን መደባት መዘናግዕን ብኸመይ ኣብዚ መዳይ እዚ ክነጥፍ ከም ዘለዎ ክዝትዩ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እወታዊ ትርጉም ህይወት ዳግም ንምልላይ

ኣቦ መንበርን መስራትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት ልዊስ ኲነሊ፥ “ኣብ ሓደ ብኣሉታዊ መልእኽቲ ዝልለ ሕብረተሰብ ብኸመይ ተስፋን ሓባራዊ ረብሓን ንምትብባዕን መላእ ሕብረተሰብ ናብዚ ክቡር ዋጋ እዚ ንምውልታው ብሓባር ዝዝትይን ኣብዚ መዳይ እዚ ንምዕያይ” ዝሕግዝ ዓውደ ጒባኤ ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ንልብን መንፈስን ሰባት ብእወታ ዝጸሉ” እዩ ከም ዝበሉን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስፐይን ንግስቲ ሶፊያ ዝተፈላለዩ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ዝሳተፉሉ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ “ኣብ ዓለም ዘማዕብል ባህላዊ ተበግሶታት” ዝምልከት መላን ምህዞኣዊ ሓሳባትን ዝዝትይ እዩ። “ሓድነት ተስፋን ኣብ መንጎ ኩሎም ሰባት ዝግበር ርክብን ዝሰፍሓሉ ሓቛፊ ፍልልያት ዝረጋገጸሉ ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ” ዝድርኽ ተበግሶ ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ ጥበባውያን ሓለውቲ ጽባቐ

ምስ እዚ ተኣሳሲሩ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንስነ ጥበባውያን “ሓለውቲ ጽባቐ ልኡካን ናይ ባህሊ ርክብ” ከምኡ እውን “ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ተስፋ መሰኻኽር” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ናይቲ ዓውደ ጒባኤ ኣዳለውቲ ይዝክሩ፡ እቲ ተበግሶ ተሳተፍቲ ብህላወን ምትብባዕን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሓጊዚ ተመክሮታት ከክፋፍሉን ኣብ ሓደ ናይ ምትሕብባር መደብ ኣብቶም ዘዕብዩ ኣድማሳዊ ክቡራት ዋጋትት ተምርኲሶም ናብ ዝሓሸ ዓለም ዘነቓቕሑ ልዑል ጽልዋ ዘለዎ መልእኽታትን ውጥናት ብሓባር ክፈጥሩ ዘኽእሎም ርክብን ተስፋን ሓለፋ ዝብል ምዃኑ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት መስራቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ስጉምቲ ናብቲ ነዊሕ ጒዕዞ

ከምቲ ብኣዳለውቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተረጋገጸ፥ እዚ ቀዳማይ ኣገዳሲ ህሞት እዚ ናይ ብዙሓት መጻኢ ስጉምትታት ኣካል እዩ። ለንደን መክሲኮ ሲቲን ሎስ ኣንጀለስን ቀጻሊ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት ዘእንግዳ ኮይነን ድሮ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተበገሰ ዕዮ ዝቕጽለለን ከተማታት ክኾና ተመዲበን ኣለዋ።

ንእወታዊ ኣረኣእያ ህይወት ዝኸውን ውጥን

ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ህይወት ብዝተፈላለዩ ሰነ ጥበባውያን ኣካየድትን መራሕቲ ዓለምን ዝቖመ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኮይኑ፥ ተልእኾኡ ድማ ብስነ ጥበብ መራኸቢ ብዙሓንን መዘናግዕታትን ኣብ ልብን መንፈስን ሰባት እወታዊ ኣድማሳዊ ክቡራት ዋጋታት ንምዝርጋሕ ዝብል እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሳላ ደገፍ ዓለም ለኻዊ ውሩያት ስነ ጥበባውያንን ትካላትን መራሕቲ ዓለምን እቲ ትካል ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት እወታዊ ጽልዋ ዘሕdሩ ሓያሎ ባህላዊ ውጥናትን ተበግሶታትን ኣተባቢዑ ንሰባት ኣብ ሓደ ዘራኽብ፡ ፍልልያት ዝሓቕፍ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሎሚ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ውልትውናን ጽልእን ንምቅላስ ዝዓዪ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

19 August 2022, 14:54