ድለ

ብጹዕ ኣቡነ ፓራ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዘቝማ ክርስቶስ እዩ! ብጹዕ ኣቡነ ፓራ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዘቝማ ክርስቶስ እዩ! 

ብጹዕ ኣቡነ ፓራ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዘቝማ ክርስቶስ እዩ!

“ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸት ንዋታዊ ዕዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ደቂ እግዚኣብሔር ዝሓቑፍ ህያው ቤተ መቕደስ እዩ፡ ካብኡ ንዓለም ህይወት ዝህብ ማይ ድማ ይውሕዝ” እቲ “ማይ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ዝሕድስን ዝልውጥን ጸጋ ኣምላኽ እዩ”

ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ከተማ ሂጒይ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ቀኖናዊ ዘውደ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእልተ ጸጋ ኣደን ሓላዊትን ህዝቢ ዶመኒካውያን ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደባት ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ክውክሉ ብቕዱስነቶም ዝተላእኵ ፍሉይ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐይና ፓራ ኣብ ፍጻመ ዑደቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ቤተ ክርስቲያን ብመሰረት መደብ እግዚኣብሔር ክንሃንጽን ብጸጋኡ ነቲ ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ህይወት ባህሊ ንኽንቅይሮ ዝተጸዋዑ ምዃና የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መሰረትና ክርስቶስ እዩ!” ንሱ “ንብዘሎ ህንጻ ደው ዘብል እምነ ማእዘን” እዩ። ነዚ ዝበሉ ኣብ ረፓብሊካዊት ደመኒካን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ቀኖናዊ ዘውደ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ ኣደን ሓላዊት ህዝቢ ዶመኒካውያን ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝወከሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ጒዳያት ትኵእ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐይና ፓራ ንዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት መዛዘሚ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ። “ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ሕንጸት ንዋታዊ ዕዮ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ደቂ እግዚኣብሔር ዝሓቑፍ ህያው ቤተ መቕደስ እዩ፡ ካብኡ ንዓለም ህይወት ዝህብ ማይ ድማ ይውሕዝ” እቲ “ማይ ንነፍሲ ወከፍ ምእመን ዝሕድስን ዝልውጥን ጸጋ ኣምላኽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክፉት ማዕጾ

ማሕበረሰብ ኩሉ ግዜ ንዅሉ ሰብ ንምቕባል ክፉት ማዕጾ ክህልዎም ይግባእ፥ በዚ ተግባር እዚ ድማ ዝኾነ ይዅን ሰብ ኣብ ማእከልና ንህላወ ኣምላኽ የስተማቕር። እቲ ካብ ቤተ መቕደስ ዝውሕዝ ማይ ዝሕድስን ዝልውጥን ናይ ሞት ባህሊ ናብ ናይ ህይወት ባህሊ ዝቕይር እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ

ስነ ጥበባዊ ስርሓት

“ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ጥበብ ስራሕ እዩ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ድማ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብትሕትና ክንክውኖ ትዕድመና፡ ምኽንያት እቶም ገዛእ ርእሶም ከም ንኣሽቱ ገይሮም ዝርእዩ ጥራይ ንኽርስቶስ ክርእዩ ስለ ዝኽእሉ። እግዚኣብሔር መን ምዃኑ ብቕንዕና ክንፍለጦን በዓይነ ልብና ክንርእዮን ተጸዊዕና ኢና። ነቲ ካብ ጐይታ ዘርሕቐና ኣገባብ ህይወት ኵሉ ክንቅይርን ሓድሽ ህይወት ዝዅልዕን ሰናይ ፍረ ዘፍርን ተበግሶታት ንኽንወስድ መታን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ደረተ ተመክሮ

. . . ሓደ ሓደ እዋን መደባት ኣምላኽ ብንጹር ክንርኢ ዘይክእሉ ንኸውን። ከምኡ እውን ኣብቲ ኵሉ ግዜ ምስ ወንጌል ዘይቃዶ ሓሳባትን ኣገባባትን ኣተሓሳስባን ንደናገር . . . እዚ ደረት ተመክሮ እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእስና እነቕርቦ ሰናይ ነገራት ኵሉ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእስና ሓይሊ ክንበጽሖ ከም ዘይንክእል ንኸነስተውዕል ይብቅዓና፡

እቲ ናትና ግዜ፥ ሕጂ እዩ!  

ናይ ሚእቲ ዓመት ታሪኽ ውፉይነት ቤተ መቕደስ ምልእተ ጸጋ መሰረት ናይታ ኣብ ዶሚካን እትርከብ ቤተ ክርስትያን ዘንበሩ ካልኦት ምዃኖም የርእየና። . . . ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኵሉ ሰብ ብኸመይ ኣብ ምህናጽ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዋሳእ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ምኽንያት ዓለማውነት ምስ መደብ ኣምላኽ ዝገራጨው ስለ ዝኾነ። ዓለማውነት ንስድራ ቤት ዝጐድእ ንህይወት ዘስግእ ንመንእሰያት ሕልምታቶም ዝምንዝዕ መሓውራት ክንሃንጽ ዝለ ዝድርኸና” ይዅን እምበር “ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን ትኵራት ክንከውን ብንጹህ ልቢ ጐይታ ክንደሊ ኣብ ትሑት መንበሪና ማለት ኣብ ሕልናና ክነብር ክንፈቕደሉ፡ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ኣብኡ ክስረት ዝፈቕዱ ንዅን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መቝጸርያ ር.ሊ.ጳ.

ብጹዕነቶም ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተባርከ መቑጸርያ ኣብ እግሪ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘሮዛርየም ኣንቢሮም እዚ ድማ ተወፋይነት ንማርያም ናይ ሮማ ጳጳስ ር.ሊ.ጳ. ዝገልጽን ብቐጻሊ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን  ኣብ ዶመኒካን ንህዝቢ ዶመኒካን ጸሎቶምን ፍቕሮም ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ማርያም በዚ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ምልእተ ጸጋ ኣቢላ ንስኻትኩም ህዝበ እግዚኣብሔር - መላእ ቤተ ክርስትያን ኣኽሊለይ ኢኻትኵም ትብለና ዘላ እዩ ዝመስል” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

18 Aug 2022, 16:09