ድለ

ሩፊኒ፥ መረብታዊ ምትእስሳር ንበይኑ ንምርድዳእ እዅል ኣይኮነን! ሩፊኒ፥ መረብታዊ ምትእስሳር ንበይኑ ንምርድዳእ እዅል ኣይኮነን! 

ሩፊኒ፥ መረብታዊ ምትእስሳር ንበይኑ ንምርድዳእ እዅል ኣይኮነን!

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበራዊ መረባት ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰብ ተመሳሳሊ ትርጒም ዘለዎ ኣይኮነን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጒዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ፓውሎ ሩፊኒ ኣብቲ ካብ ዕለት 15 – 19 ነሓሰ ኣብ ሰውል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ዓውደ ጒባኤ ይሳተፉ ከም ዘለዉን ዕለት 16 ነሓሰ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “መረብታዊ ምትእስሳር ንበይኑ ንምርድዳእ እዅል ከም ዘይኰነን . . . ንብድሆ ምዕባለ እደ ጥበብ ንምብዳህ እቲ እንኮ መገዲ ጥበባዊ ምዕባለ ከም ጣዖት ምምላኽ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እደ ጥበባዊ ምዕባለ ክትክኦ ዘይክእል ዝተወሰኑ ነገራት ኣለዉ፥ ንሳቶም ድማ “ናጽነት ርክብ፡ ምግራም በቲ ዘተይጸበኻዮን ምልዋጥ ብልሓትን ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ፍቕርን” ዝኣመስሉ ምዃኖም ሩፊኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ እቲ ዓውደ ጒባኤ “ሰላም ኣብ ብሰን ኣሃዝ ዝተራቐ ዓለም” ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ዝተማእከለ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ፥

ልዕሊ ኣቐን ዝኾነ መረብታዊ ምትእስሳር ዘለሉ ግን ከኣ በይናውነት ዝሰፍሓሉ

እቲ ፍረ ብልሓት ፍጥረት ሰብ ዝኾነ እደ ጥበብ “ቅድሚ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ዘይሕሰብ ዝነበረ ክውንነታት ክሱታዊ መረብታዊ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክባት ብመረብታዊ ርክብ ዝካየድ ሕክምናን ብመረብታዊ ርክባት ዝካየድ ንግድን” ዝኣመሰሉ ጠቒሶም፥ “እቲ ናይ ዘመንና ስግንጢር፥ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ መረብታዊ ርክባትን ግን በይናውነትን” እዩ፡ እዚ ኸኣ ውልቃውን ሓባራውም መርመራ ሕልና ክንብገር ዘድልየና ምዃኑ የመላኽት፥ “ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዝዀነ መረብታዊ ርክባት እናተራእየን እናሃለወን በይንኻ ምዃን ክህሉ ብኸመይ እዩ ዝከኣል? እቲ ዝምዕብል ዘሎ መረብታዊ ምትእስሳር እንታይ ይጐድሎ ኣሎ? ንብድሆ ምዕባለ እደ ጥበብ መልሲ ንምሃብ እቲ እንኮ መገዲ ነቲ ምዕባለ ከም ጣዖት ምምላኽ ወይ ከኣ ከም ግብረ ኣጋንንት ምጥማት ኣይኮነን። ፍጹም መድሕን ወይ ከኣ ፍጹም ጥፍኣት ገርካ ምርኣይ ኣይኮነ እቲ መገዲ ክኸውን ዘለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓጐስ ዝዕደግ ‘ነገር’ ኣይኮነን

ሩፊኒ ኣስዒቦም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ሓንቲ ኣብ ሶሎመኦ ቤተ መቕደስ ምስ መንእሰያት ኣብ ዘካይድዎ ርክብ ዝተሳተፈት መንእሰይ ንዘቕረበትሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ “ሓጐስ ዝዕደግ ‘ነገር’ ኣይኮነን” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም . . . እትዕድጐ ሓጐስ በራሲ ምዃኑ ትፈልጡ ኢዅም። እቲ ዝዕደግ ሓጐስ ዘይጸንሕን በናኒ እውን እዩ። ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዐ ርክብ ጥራይ እዩ ጽምዋ ዘነክይን ሓጐስ ዝህብን . . . ፍቕሪ ድማ ኣብቲ ልዑል ተነቃፍነት ዝተመስረተ እዩ። ማለት እዚ ተነቃፍነት እዚ ደላይ ፍቕርን ምፍቃርን ምፍቓርን ምዃንካ እዩ ዘነጽር እዚ ከኣ እቲ መረብታዊ ርክብ ንበይኑ እዅሉ ከም ዘይኮነ ዘረጋግጽ ምኽንያት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደጋታት ማሕበራዊ መረባት

ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መበል 53 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበራዊ መረባት ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰብ ተመሳሳሊ ትርጒም ዘለዎ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቲ ናይ ማሕበራዊ መረባት መንነት ምስ ናይ ካልእ መንነት ኣብ ምጽራር ዝተመርኮሰ እዩ፥ ካብቲ ጒጅለ ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ኣብ ምጽራር ዝቖመ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ኣቃሊሖም፡ “ገዛእ ርእስና ካብቲ ዝጥርንፈና ዘይኮነስ ካብቲ ዝፈላልየና ጀሚርና ኢና እንገልጾ እዚ ኸኣ ምጥርጣርን ኵሉ ዓይነት ጽልእን ቅድመ ፍርድታትን ክህሉ ይገብር፡ ስዒቡ እቲ ናይ ዓለም መስኮት ‘ክቱር ርእሰ ኣምልኾ - ኣነነት’ ዝብልንኽኸውን ይድርኽ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓድሽ ሰብኣውነት

ብድሆ ናይ ሰናይ ጋዜጠይናነት፥ ናይ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ጋዜጠይናነት ብድሆ ‘ንሓድሽ መራኸቢ ብዙሓን ሓድሽ መገዲ ምርካብ’ ዝብል እዩ። ኣብ ዕዳጋ ሓሳባትን ሓበሬታትን ኣብ ጸንፈይናዊ ግብረ ገባውነት ናይ ሓደ ህዝቢ  ዘይኮነስ ኣብ ዘተን ኣብ ግብረ ገብ ዝጸንዐ ብልሒ ምትኳር የድሊ” ሓድሽ ሰብኣውነት ንምርግጋጽ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካናዳ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ኪበክ ተረኺቦም መሃዝነት ኣብ ዘተባብዕሉ እዋን፥ ፈጠራ “ናብቲ ሰባት ዚነብርሉ ቦታ ናይ ምብጻሕ ዓቕሚ ዘለዎ ናይ ምስማዕን ናይ ዘተን ናይ ርክብን ዕድላት ምርካብ ማለት እዩ። ናብ ናይ ሓዋርያት ትሕትናን ኒሕን ውዕዉዕ ስምዒትን ክንምለስ ኣሎና” እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ ሩፊኒ ዘኪሮ፥ ኣብ መወዳእታ ናይ ካቶሊካውያን መራከቢ ብዙሓን ጋዜጠይናታትን ካቶሊካውያን መራኸቢብዙሓን ብሓፈሻ፥ “ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት ንጡፍን ኣሳታፍን ብዝኾነ ማሕበረሰብ ዝተሰነየ ሓድሽ ሰብኣውነት  ክንከውን ኣሎና . . . “ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

16 August 2022, 16:28