ድለ

ምንቅስቓስ ‘ይሴባህ’ ሓድሽ ናይ መርሕነት ሕንጸት የበግስ ምንቅስቓስ ‘ይሴባህ’ ሓድሽ ናይ መርሕነት ሕንጸት የበግስ 

ምንቅስቓስ ‘ይሴባህ’ ሓድሽ ናይ መርሕነት ሕንጸት የበግስ

እቲ መደብ ሕንጸት ኣብ ቀንዲ ኣምር ‘ይሴባህ’ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኮረ ብመርበብ ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ መርኣያ ዝቖመ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዝስትንተነሉ እዩ።

ንሕብረተሰቦም ንኸገልግሉ ንዝደልዩ ካቶሊካውያን ብመሰረት ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ “ይሴባህ” ንምሕናጽ ዝዓለመ “ኣነቓቓሕቲ ይሴባህ” ዝብል ሓድሽ ናይ መርሕነት ሕንጸት ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ‘ይሴባህ’ ከም ዘበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መደብ ኣነቓቓሕቲ ይሴባህ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ካቶሊካውያን መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ውሁድ ስነ ህይወት ክሓንጹ ዝሕግዝ ብማሕበራዊ መረብታዊ መስመር መደብ ስልጠና ከም ዘዳለወን እቲ መደብ ህንጸት ድማ ናጻ ኮይኑ ካብ ዕለት 24 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ብቋንቋ ኣንግሊዘይና ከም ዝቐርብን ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ ብጣልያንይና ካብ ዕለት 23 ነሓሰ ክሳዕ ዕለት 22 ጥቅምቲ ብፖርቱጋል ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ክሳዕ ዕለት 26 ሕዳር ብቋንቋ ስፓንይና ክቐርብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ቺዘርንይ “ዕንወት ከባቢ ደው ንምባል ንሓባራዊ ቤትና ንክንክን ዘነቓቕሑ መራሕቲ ዓለም የድልይዋ ኣለዉ እንክብሉ ነቲ መደብ ሕንጸት ዘለዎም ዓቢይ ድጋፍ ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ዛዕባ እቲ መደብ ሕንጸት

እቲ መደብ ሕንጸት ኣብ ቀንዲ ኣምር ‘ይሴባህ’ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኮረ ብመርበብ ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ መርኣያ ዝቖመ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎን ለውጢ ንምምጻእ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ዝስትንተነሉ እዩ። ብዛዕባ ይሴባህ ዓዋዲት መልእኽቲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝህብ ኮይኑ፡ ንውልቃዊ ስነ ህይወትዊ ለውጢ ብኸመይ ስጒምቲ ክትወስድ ከም እትኽእል ዝሕግዙ ኣርእስታት ዝሓዘን ኣብዚ መደብ ህንጸት ዝሳተፉ ካብ ክኢላታትን መራሕትን ኣስተምህሮ ዝረኽብሉን መንፈሳውነቶም ከማዕብሉን ኣብ ከባብያዊ ማሕበረሰባት ስጒምቲ ንምውሳድ ዝኽእል ለውጢ ከነቓቕሑ ደገፍን ዕድልን ዝረኽብሉ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓባራዊ ቤትና ንምሕብሓብ ዝውሰድ ስጒምቲ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 30 ሺሕ ሰባት ኣብ መደብ ይሴባህ ዝሳተፉ ከም ዝኾኑን እስታት 10 ሺሕ ሰባት ቅድም ክብል ኣብ ዓዋዲት መልእኽቲ ይሴባህ ኣብ ዝተማእከለ መደብ ሕንጸት ተሳቲፎም ምስክር ወረቐት ከም እተቐበሉን እዚ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ዘድሊ ስጒምቲ ንኽንወስድ ምእንቲ” ኣብዚ መዳይ እዚ ክመርሑ ዝኽእሉ ሰባት ሕንጸት ዝረኽብሉ ምዃኑ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ላዕለዋይ ኣካያዲት ስራሕ ኤሪን ሊተስ ምዝ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ዓለም ሓቆፍ ምንቅስቓስ ይሴባህ ቅድሚ 7 ዓመት ቅዱስ ኣቦና ይሴባህ ብዝብል ኣርእስቲ፥ ብዛዕባ ክንክን ፍጥረትን ናይ ሓባር ቤትና ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝሓዘት ዓዋዲ መልእኽቲ ምስ ለገሱ ዝቖመ ከም ዝኾነን ካብቲ እዋን ጀሚሩ እቲ ምንቅስቓስ ዓለም ለኻዊ መርበብ ሓበሬታ ዘለዎ ኮይኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሓባራዊ ቤትና ንከናኸን” እንክብሉ ዘቅረብዎ ጻውዒት መልሲ ንምሃብን ነዚ ጻውዒት እዚ ናብ ተግባር ንምቕያር ዝዓዪ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘማእከለ መደባት ሕንጸት ዘቕርብ፡ ኣብ ዓመት ቅነ ይሴባህ ዘዳሉ እውን ምዃኑ ሎተስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትቲ ይገልጻ።

20 Aug 2022, 16:16