ድለ

2019.11.14 Padre Juan Antonio Guerrero 2019.11.14 Padre Juan Antonio Guerrero  (Society of Jesus)

ክፍሊ ቊጠባ ቅድስት መንበር ኣብ ግሉጽነትን ርእሰምርኰሳን ሓደስቲ ስጒምታት ንቅድሚት ትገብር! ሓላፊ ቤጽ

ዋና ሓላፊ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ቅድስት መንበር ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ሰፊሕ ቃለ ምልልስ ን2021 ተገሚቱ ካብ ዝነበረ 33 ሚልዮን ዕዳ 3 ሚልዮን ጥራይ ከምዝኾነ እንከመልክቱ ሽሕ’ኳ ቅድስት መንበር ንብዙሕ ንብረታ ብምውጋን ኣዎንታዊ ውጽኢት እንተኣመዝገበት ገና ናይ መስዋትነት ግዜ ኣይተወደኤን እንክብሉ ሓፈሻዊ ኩነታት ቊጠባ ቅድስት መንበር ኣብሪሆም።

ዜና ቫቲካን!

ንሕዳሴ ቅድስት መንበር መሪሕ ብዝኾነ ኣገባብ ዝቆመ ቤትጽሕፈት ቊጠባ ዋና ሓላፊ ዝኾኑ ኣባ ኽዋን ኣንቶንዮ ጐረሮ ኣልቨስ ቊጠባዊ ኩነታት ሚዛን ኣታውን ወጻእን ናይ 2021ዓም ቅድስት መንበር ንሕትመት ከምዝበቅዔ ድሕሪ ምግላጽ ‘ኣብ ቅኑዕ ጐዳና ግሉጽነትን ቊጠባዊ ደገፍ ቅድስት መንበርን ርእሰ ምርኰሳን ብዝምልከት ብዙሕ ንቅድሚት ሰጒምና ኣሎና’ እንክብሉ ኣብሪሆም። እቲ ውጽኢት ካብቲ መዲቦሞ ዝነበሩ እኳ ዝበለጸ እንተኾኖ ንመጻኢ ግን ብዙሕ ውሕስነት ከምዘይረኣዮም ዝገለጹ ኣባ ኽዋን ገና ክኽሰቱ ዝኽእሉ ጸገማት ከምዘለው ምናዳ ትሕተ ቅርጻዊ ጸገማት ገና ምሉእ ብምሉኦም ከምዝተፈትሑ ይገልጹ። ሓደ ካብቲ ጸገማት ቤተክርስትያን ንተልእኮ ጳጳስ ዚኣክል ገንዘብ ዘይምህላው ኰይኑ ብኣንጻሩ ግን ኣብ ሎንዶን ንዝርከብ ብዙሕ ዘዛረበ ኣዳራሽ ንጹር ኣገባብ ግሉጽነት ብዝተኸተለ መንገዲ ምፍጻሙ ኣዎንታዊ እዩ ኢሎም።

ናይዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እዚ ሓደስቲ ጒዳያት እንታይ እንታይ ኮን ይኾኑ! ንእትብል ሕቶ ክምልሱ ከኣ ‘እታ ቀዳመይቲ ዜና እንብላ እንትርፎ ጎቨርናቶራቶን ዮርን ናይ መላእ ቅድስት መንበር ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ። እዚ ንግሉጽነትን ንጠቅላሊ ኩነታት ቊጠባ ቅድስት መንበር ከምዝረኤ ኣብ ምግባርን ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት እዩ። እቲ ዝጀመረ ጒዕዞ ይቅጽል እኳ ደኣ ብዕምቈት ይቅጽል ኣሎ። ዝሓልፈ ሓምለ 2021 ቤትምኽሪ ቊጠባ ንኩነታት ቊጠባ ቅድስት መንበር ዝጽብጽብ ኣድላዪ ለውጢ ኣታኣታትዮ። ኣብ ናይ ቀደም ኣገባብ ንኩርያ ጥራይ ዝምልከት ብምንባሩ 35% ናይ ጠቅላላ ቊጠባ ጥራይ ይረኤ ነሩ። ነዚ ካብ 60 ኣካላት ናብ 92 ኣካላት ክብ ብምባል ኣብ 2020ዓም ኣታዊ 2,2 ቢልዮን ኤውሮ ዝነበረ 2021ዓም ናብ 3,9 ክብ እንክብል ወጻኢታት እውን ካብ 0.8 ቢልዮን ኤውሮ ናብ 2,3 በጺሑ። ካብ ዘሎ ውርሻ 1,4 ቢልዮን ኤውሮ ናብ 1,6 መኽሰባት ካብ 248 ሚልዮን ኤውር ናብ 1,093 ዕድጊ ካብ 315 ሚልዮን ኤውሮ ናብ 1.096 ብምኻድ ጠቅላላ ደፊሺት 3 ሚልዮን ኤውሮ ኮይኑ’ ኢሎም።

ቀጺላ ዝቀረብት ሕቶ ብዛዕባ መወዳእታ ዓመት ኩነታት እንክትኮን ኣባ ኽዋን እንክምልሱ ‘ቀዳመይቲ ጽብቅቲ ዜና ኩነታት ካብ ዝተጸበናዮም ንላዕሊ ሠናይ ኮነ። እዚ ከኣ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መዔቅንስ ይኹን በዚ ዓሚ ዘተኣታቶናዮ ሓዲስ መዔቀኒታት ማለት እዩ። በዚ ሓዲስ መዔቀኒ ትጽቢት ተገሩሉ ዝነበረ ደፊሺት 33,4 ሚልዮን ኤውሮ እንክኾን ከም ሓቁ ግን 3,3 ኮይኑ። ናይ ምንቅስቃስ ደፊሺት 56 ሚልዮን ተገሚቱ ዝነበር 77,7 ኮይኑ እዚ ከኣ ብተክኒካዊ ጌጋ እዩ ካሳ ስልየቮ ደላ ሶፈረንሳ ዝብል ተቊዋም ኣይኣተወን ነበረ 30 ሚልዮን ናቱ ምዃኑ እዩ። በቲ ናይ ቀደም ወይውን ኣረጊት መዔቀኒታት እውን ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ኣሎ። 49,6 ሚልዮን  ተገሚቱ ዝነበረ ደፊሺት 28,8 ኮይኑ’ እንክብሉ እንኮላይ ምኽንያታቱ ገሊጾም።

እዚ ውጽኢት እዚ ብከመይ ትግምግምዎ ንዝብል ሕቶ እንክምልሹ ከኣ ‘ንሕና ሃሰስ እንብሎ መኽሰብ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እዛ ቅድስት መንበር ከመይ ቢላ ብቊጠባ ርእሳ ትኽእል ዝብል ሕቶ እዩ። ደፊሺት ናይ 3 ሚልዮ ኣብ ግምት ናይ 1.100 ሚልዮን ብዙሕ ኣይኮነን። ኣዳቂቅና እንተተመልኪትና ግን ክነመሓይሾም ዘሎና ጉዳያት ኣለው። ኣታውን ወጻእን ኣብ ምምዛንስ ይኹን ነፍስወከፍ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ክገብሮ ዘለዎ ጉዳይ ምናዳ ኸኣ ተልእኮታት ከም ያን ተልእኮ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ ዚኣክል ባጀት ክግበረሉ ከማኡ እውን እቲ ብመባእ ዚኣቱ ዝነበረ ምጒዳሉ ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። እቲ ጽቡቅ ጉዳይ ኩርያ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዘውጽኦ ዝነበረ ብዙሕ እናኣጒደለ ይሕግዝ ኣሎ።

ኣብቲ ኣባ ኽዋን ዘቅረብዎ ሰፊሕ ትንተና ጉዳይ ደሞዝ ሠራሕተኛታትስ ይኹን ጉዳይ ጥሮታ ከምቲ ካልኦት ሃገራት ዝሽገራኦ ቅድስት መንበር እውን ከምእትሽገር ብዝገደደ ከኣ መጻኢ ጉዳይ ቊጠባ ዘጠራጥር ምዃኑ ኣብሪሆም። እቲ ቀንዲ ጸገም ነዚ ቅልውላው ከመይ ገርካ ትገጥሞ እንክኸውን ብቀንዱ ግን ንገንዘብን ቊጠባን ዝምልከት ንጹር ፖሎቲካ ዘይምህላው ኮይኑ ትሕተቅርጻዊ ጸገማት እውን ኣሎ፣ ምስዚ ከኣ ኩነታት ዓለምና ውግእን ወረ ውግእን ኢንፍለይሽን እንብሎ ዝቅጠት ገንዘብ እንክተገናዝብ ገና 2022 ይኹን 2023 ከበድቲ ዓመታት ክኾና እየን። ሽሕ’ኳ ተጽዕኖ ኮቪድ 19 ዝጐድል እንተመሰለ ባጀት 2023 ኣብ ምስንዳው ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ምእታው ከድሊ እዩ እንክብሉ ቅልውላው ቊጠባ ቅድስት መንበር ከም ዓለሙ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጾም።

06 August 2022, 22:49