ድለ

Edith Stein Edith Stein 

ናይታ ብ9 ነሓሰ 1942 ዝተቀትለት ኤዲት እሽታይን መልእኽቲ ሎሚ’ውን ይዛረብ!

ናይ ሎሚ 80 ዓመት ኣብ መዳጎኒ ኣውስክዊጽ በዛ ዕለት እዚኣ ብፍልስፍናኣን ብሰቂለ ሕልናን ህብብቲ ዝነበረ ፖላንዳዊት ቅድስት ኤዲት እስታይን ተቀትለት። እዛ ጠባቃ ኤውሮጳ ዝኾነት ቅድስት እዚኣ ኣብቲ ዘመና ዝነበረ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ውልቀምልክን ዕብለላን ትቃወም ነበረት። እቲ ሽዑ ንሳ ዘቅረበቶ ኣተሓሳስባ ንናይ ሎሚ ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ዓለማውነት እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል።

ዜና ቫቲካን! 

ነዛ ዓባይ ቅድስት እዚኣ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዝተፈላለየ መንገዲ እክንገልጽዋ፡ ዓሚ ከምዚ እዋን እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስስኮ ‘‘ሰማዕት ቅን ዕቲ ሰበይቲ ንእግዚኣብሔር ብገርሀይና ልብን ፍቅርን ዝደለየት ስለ ዕብራውያንን ክርስትያንን ሕዝባ ሰማዕት ዝኾነ ሰበይቲ` እንክብልዋ ቅድሚ ክልተ ዓመት ከኣ  ‘ተጻይ ኩሉ ዝንቡዕ ሥነሓሳባት ክትገንሕ ትብዓት ዝነበራ ሰማዕት’ ክብሉ ገሊጾማ ነበሩ። ከምኡ እውን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ኣብ ድቅድቅ ጸልማት እተብርህ ቀንዴል’፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ከኣ ‘ትምህቲ መንገዲ ጒዕዞ መስቀል’ ኢሎማ እንከብቆዑ ብ1999 ምስ ቅድስት ካተሪና ዘስየናን ቅድስት ብሪጅት ዘእስዊድን ጠበቃ ኤውሮጳ ኢሎምዋ ነሮም።

ኣብዚ ቀረባ ግዝያት ምሉእ ጽሑፋትን ሥርሓትን ቅድስት ኤዲት እሽታይን ንሕትመት ዘብቀዔት ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ዘላተራነንሰ መምህር ታሪኽ ፍልስፍና ዝነበራ ሕጂ ግን ሓላፊት ማሕበር ቅድስት ኤዲት እሽታይን ጨንፈር ሃገረ ጣልያን ዝኾና ኣብዚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ እዛ ቅድስት ብዙሕ ነገር ክትምህረና ትኽእል ከመይ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ብረስኒ እስጳኛ ዝፍለጥ ለበዳ ኣብ ዘመነ ቅድስት ኤዲት እሽታይን ብዙሕ ስለዘሰቃየ እንተኾነ ብትዕግሥትን ስለ ካልኦት ርእሳ ብምውፋይን ስለዝተዓወተት እንክብላ ገሊጸን።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቅድስት ኤዲት እሽታይን!

ብዕለት 9 ነሐሰ 1942 ዓም ኣውስክዊዝ ኣብ ዝበሃል መዳጎኒ ብፅንተት ዓሌት ዝሳቀ ካብ ዝነበሩ ዕብራውያን ዝተወልደት ቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀል ብኤዲት እሽታይን ትፍለጥ ዝነበረት ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየትሉ ዕለት ብምዃኑ ወትሩ ንዝኽራ ትውዕል፣ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ  ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፍጻሜ ሎሚ ንዝዝከር ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ኤዲት ስታይን ናይ ገዳማዊ መጸውዕ ስማ ተረዛ በነደትታ ዘመስቀል ምዃኑ ዘኪሮም፡ ‘እዛ ናይ እዋናዊት ኤውሮጳ ዜጋ ናይ እምነት ሰማዕት፡ ሰማዕት ስሙር ሕይወትን ፡ ብቕንዕናን ብፍቕር ደላዪት እግዚኣብሔር’ እንክብሉ ገሊጾም፡ ‘እዛ ናይ ኤውሮጳ ሓላዊት ቅድስቲ ምእንቲ ኤውሮጳ፡ ኤውሮጳ ካብ ድንዛዜ ክትላቐ ትጸልይን ተማልድን፡’ ብማለት ንኢዶማ። ቊምነገራ ንምዝካር ‘ዕብራዊት ፍላስፋ ድንግል ሰማዕትን ኮይና ንክርስትና ብብስለት ዝተቀበለት ክርስትያን እየ ኢላ ካብ ሕዝባ ዘይተፈለየት እኳ ደኣ ዕጫ ሕዝባ ክትሳተፍ ዝወሰነት ብርህቲ ጓል እስራኤልን ጓል ደናግል ዘቅድስት ማርያም ዘቄርመሌዎስ’ እንክብልዋ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ  ከኣ ቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀል ምስ ክርስቶስ ዝምድናኣ ብመንፈሳውነት ንኣኡ ብምቅባል ጥራይ ዘይኮነ ብትውልዲ እውን ካብ ዓሌቱ እያ’ ኢሎም ነሮም።

ካብ ዘይምእማን ናብ እምነት!

እዛ ብትውልዳ ካብቶም ቀናኣት ዕብራውያን ዝኾነት ከም ናይ ጳውሎስ ንኩሉ ተማሂራ ዝዓበየት ኮይና ኣብ 14 ዓመት ዕድሜአ ናብ ክርስትና ገዛ ትዛዙ እሞ ንዕብራውነታ ካብቲ ትምህርቲ ኣቦታታ ብዝበለጸ ክርስትና ከምዝገለጸላ ከምዚ ኢላ ትጽሕፍ። ‘ጓል 14 ዓመት ጐርዞ ምስ ኮንኩ ንእምነት ዕብራውያን ጠንጢነዮ ናብ ጐይታ ምምላሰይ ከኣ ነቲ ዕብራውነተይ ብዝበለጸ ክስምዓንን ክርድአንን ኣኽኢሉኒ’ ትብል። በዚኸስ ንኤዲት እሽታይን ምሥጢረ ጥምቀት ብምቅባል ናብ ክርስትና ምእታዋ ምስ ሕዝባ ምስ ዕብራውያን ንዝነበራ ምትእስሳር ብዝያዳ ተደልድሎ። ቅድስት ኤዲት እሽታይን ጉዕዞ ሕይወታ ይልወጥ ኩሉ ሃማን ቀልባን ኣብ ቤተክርስትያን ይኸውን። ገለ ክትዕድግ ንሹቕ እንክተለኣኽ ከይተረፈ ምስ ሳንጣአ ናብ ቤተክርስትያን ኣላጊሳ ትጽሊ ነበረት፣ እቲ ዝንበረኒ ዘይምእማን ፋሕፋሕ ኢሉ  ክወድቅን ክርስቶስ ንሕይወተይ ከብርህን ሓደ ኰነ ትብል። እግዚብሔርከስ ከምቲ ንሳ ትብሎ ድንቂ ነገራት ገበረ።

ምሥጢረ መስቀል!

ብዛዕባ ሕይወት ቅዱስ ኤዲት እሽታይን ብዙሕ ዝጸሓፈትን ብዕምቘት ትፈልጣን እናቴ ቲዝያና ካፑቶ ብዛዕባ እዛ ቅድስት ተሓቲታ እንክትምልስ ‘እዛ ቅድስቲ እዚኣ ናይቲ ዝኣመነቶ ተስፋ ክትከታተልን ክትርዳእን ዝኸኣለት ኮይና ነዚ ተስፋ እዚ ድሕሪ ናብ ክርስትና ምእታዋ እያ ሽም ዝሃበቶ ንሱ ከኣ ክርስቶስ እዩ’ ክትብል ትገልጾ፣ ድሕሪ ጥምቀታን ብዙሕ ጸሎትን ብቀጥታ ኣብ ምሥጢረ መስቀል እያ ዝኣተወት ንዝመጸ ኩሉ ሥቃይ ከኣ ሃንጐፋይ ኢላ ተቀበለቶ። ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብ1987 ዓምፈ ኣብ ዕለተ ቅድስናኣ ዝበልዎ ከኣ ‘እዛ ቅድስቲ እዚኣ ንዓለም ዘርኣየቶ እንተሎ ፍቅሪ ንሥቃይ ወይ መስቀል የብስሎ ስቃይ ከኣ ንፍቅሪ ከምዘዕምቆ እዩ’።

እናቴ ተረዛ በነደታ ንጉዕዞ ትምህርቲ መስቀል ክሳብ መጨረሻ ፈጺማቶ። ብዙሓት ናይ ዘመንና ንጉዳይ መስቀል ከወግድዎ ምደለዩ። ኰይኑ ግን ንመስቀል መጠን ሱቊ ክተብሎ ዝተቃለስካሉ መጠኑ ዓው ኢሉ ይዛረብ’ ኢሎም ነሮ፣

ጉዳይ ቅድስት ተረዛ እትከታተል እናቴ ካፑቶ ብወገና ‘ናይቲ ብሾዋ ዝፍለጥ ራዕዲ ናብ መላእ ዓለም ገዓሩዘስምዖ በዛ ጽንዕቲ ሰበይቲ ብዝነበራ መፈሳዊ ራእይን ጉዕዞን ነዚ ተጻይ ደቂሰብ ዝኾነ ናይ ህልቂት ሥራሕ ክቈጽዮ ክኢሉ፣ ካብኣ እንረኽቦ ውርሻ ከኣ ምንጪ ሃሰሳን ኣስተንፍሶን ኣስተንትኖን ክትኮነና ከም እትኽእል እዩ’ ብማለት ይገልጻ። በዚ ከኣ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዝበልዎ ሃሰሳ ሓቂ ኣብኣ ይግለጽ።

ኣብ መጀመርያ ዕላማኣ ሓርነት ነሩ። ነቲ ደረቅ ዝኾነ ጉዕዞ ፍልስፍና ምስ ፈጸመት ግን ገለ ክስምዓ ጀሚሩ። ኣብ ቄርመሎሳውያን ምስ ኣተወት ከኣ ‘ብፍላጥስ ይኹን ብዘይፍላጥ ንሓቂ ሃሰስ ዝብል ንእግዚብሔር እዩ ዝደሊ’ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ

ንእስነት ቅድስት ኤዲት እሽታይን!

ካብ ዕብራውያን ወለዲ ብ12 ጥቅምቲ 1891 ዓም ኣብ ብረስላቭያ ተወልደት። ኣብ 6 ዓመታ ትምህርቲ ጀመረት። ጓል 15/16 ምስ ኮነት ናብ ሃምቡርግ ብምኻድ ጥንታውን ዘመናውን ሥነጽሑፍን ፍልስፍናን ኣጽነዔት እዚ ኩሉ ናብ ዘይምእማን ገጻ ወሰዳ። ብ1911 ዓም ናብ ዪኒቨርሲቲ ገጻ ትጐዓዝ ኣብ መጽናዕቲ እንከላ ብ1914 ብምኽንያት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ትምህርተ ደው ይብል። ድሕሪ ዓመት ምስ ተኸፍተ ብልዑል ነጥቢ ትምህታ ትዛዝም። ኣብ ፍራይቡርግ ምስ በዓል ሁሰርል ዝበሃል ዓበይቲ ፍላስፋታት ክትተሓጋገዝን ክትጽሕፍን ክትመራመርን ድሕሪ ምጽናሕ ቁሩብ ናብ ክትልኽና ገጻ ክትዝምብል ጀሚራ። ብግዜ ዕርፍታ ናይ ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ታሪሕ ሕይወት ምስ ኣንበበት ብ1921 ናብ ክርስትና ትኣቱ ነቲ ትኽተሎ ዝነበረት ናይ ዘይምእማን ወይ ኣተይዝም ስነሓሳብ ፈጺማ ገደፈቶ። ብዕለት 1 ጥሪ 1922 ተጠምቀት። ካብ 1923-31 ኣብ ቤትትምህርቲ ዶመኒካውያን ፍልስፍና ብፍላይ ከኣ ናይ ቅዱስ ቶማስ መሀረት ድሒሩ ግን በቲ ዝነበረ ዓሌታዊ ምሕደራ ናሲዝም ክተቋርጽ ግድን ኮነ። ጭቖና ናሲዝም ምስ መረረ ናብ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 11 ከምኡ ሓዋርያዊ ወኪል ዝነበረ ደሓር ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ናብ ዝኾኑ ተጻይ ስደት ዕብራውያን ክዛረቡን ነቲ ዓመጽ ክኹኑን ጽሒፋ ነራ።

ኣብ መንጎ እዚ ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ልባ ኮይኑ ዕረፍቲ ዝኸልኣ ዝነበረ ኣብ ኮሎን ኣብ ዝርከብ ናይ ቄርመሎሳውያን ገዳም ክትኣቱ ትውስን እሞ ብ1934 ኣብ ማሕበር ኣትያ ተረዛ በነደታ ዘመስቀል ዝብል ስም ይወሃባ። በቲ ዘጽነዓቶ ፍልስፍናን እምነትን መጽሓፍቲ ጸሓፈት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጽልኢ ሂትለር ኣብ ዕብራውያን ጥርዙ በጽሔ ኣቡናት ሆላንድ ብዕለት 20 ሓምለ 1942 ዓገብ ዝብል መልእኽቲ ናብ ኣብያተክርስትያኖም ጽሒፎም በዚ ዝተቈጥዔ ሂትለን ንኩሎም ናብ ክርስትና ዝኣተው ዕብራውያን ይለቀሙ ዝብል ሓምለ 26 ኣወጀ። ኤዲት ምስ ሓውታ ሮዛ ኣብ ቨስተርቦርክ ዝበሃል መዳጐኒ ደሓር ናብ ኣውስክዊጽ ተወስዳ ዕለት 9 ነሐሰ 1942 ከኣ ብጋዝ ሞይተን ሬሳአን ተቃጸለ። ዕለት 1 ግንቦት 1987ዓም ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኮሎን ብፅዕቲ ተባህለት። ብዕለት 11 ጥቅምቲ 1998 ከኣ ቅድስናኣ ተኣወጀ።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 August 2022, 11:39