ድለ

2022.08.05 Devozione mariana Madonna di Altagracia rep. Dominicana. Padre José Santana 2022.08.05 Devozione mariana Madonna di Altagracia rep. Dominicana. Padre José Santana 

ብፁዕ ሊቀጳጳስ ፐኛ ፓራ ፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ኣብ ናብ ሃገር ሪፓብሊክ ዶሞኒካ!

ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅድስት መንበር ንሓፈሻዊ ጒዳያት ናይ ዝምልከት ክፍሊ ምክትል ሓላፊ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፐኛ ንቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወኪሎም ኣብ ሃገር ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ነቲ ዓመት ምስ መመላእታ ዝተኻየደ ኢዮቤል ኣልታግራቻኖ ብዕሊ ኪዓጽው ካብ ሰንበት 14 ክሳብ 18 ነሓሰ ኣብቲ ሓውጾት ክገብሩ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዝርዝር መርሓ ግብሮም ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዓመት ይገብር ሃገረ ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ነታ ናይ ሃገራ ጠበቃ ዝኾነት ድንግል ዘኣልታግራቻ መበል ሚእቲ ዓመት ዘውዲ ምድፋእ ዘኪሮም ንዓመት ምሉእ ዝጸንሕ ዓመተ ኢዮቤል ኣዊጆም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ኣብ ምዝዛምን ምዕጻውን እዚ ዓመተ ኢዮቤል እዚኣ ናይ ቅዱስነቶም ፍሉይ ልኡኽ ኮይኖም ኣብቲ ዓዲ ሓውጾተ ኖልዎ ክገብሩን ነቲ መድብ ክንዳኦም ኮይኖም ክፍጽሙን ዝተላእኩ ኣብ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ንሓፈሻዊ ጒዳያት ናይ ዝምልከት ክፍሊ ተተካኢ ወይውን ምክት ብፁዕ ሊቀጳጳስስ ኤጅጋር ፐኛ ፓራ ካብ ዕለት 14 ክሳብ 18 ነሐሰ ነቲ ውሩይ መካነ ንግደት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘኣልታግራቻ ብምብጻሕ ክጅምሩ ምዃኖም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ መርሓ ግብር ከምዘመልክቶ ኣብ ካተድራል ናይቲ ዓዲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዕለቱ ምስ መርሑ ክሳብ ሳንቶ ዶሚንጎ ዝነቅል ጒዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝጅመር እንክምልከት ንጽባሒቱ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ ፍልሠታ ለእግዚእትነ ማርያም ስለ እትዝክር ፍሉይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ ኣብ ፕወርታ ደል ኮንደ ምስ ሰበሥልጣን ናይታ ሃገር ምስ ተራኸቡ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣብ ሜዳ ኦሎምፒች ከተማ ሳንቶ ዶሚኒጎ ንዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ዘውዲ ምድፋእ ናይታ ሃገር ጠበቃ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘኣልታግራቻ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም።

ብድሕሪዚ ኣብ ዝስዕብ ዕለታት ምስ ኩሎም ጳጳሳት ናይታ ሃገር ክራኸቡ ከማኡ እውን ምስ ፕረሲደንት ሪፓብሊክ ዶሞኒካ ልዊ ኣቢናደር ዘተ ክግበሩ ትጽቢት ኣሎ። ክሳብ ዕለት 18 ዝተፈላለየ ርክባት ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትስ ይኹን ካልኦት ሰበሥልጣናት ምስ ተራኸቡ ዓመታዊ ዝኽሪ ወፈያ ናይቲ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ናብ መካነ ንግደት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ዘኣልታግራቻ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ኣብ ፍጻሜ እቲ ኢዮቤል ብፁዕነቶም ንሕዝቢ ዶሞኒካ ቅርበት ር.ሊ.ጳ ክገልጹን ነታ ንሶም ንመካነ ንግደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘኣልታግራቻ ዘወፈይዋ ናይ ወርቂ ዕምባባ ጽጌረዳ ከወፍዩ ምዃኖም ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 August 2022, 09:41