ካርዲናል ዶላን፥ ተሓድሶ ኵርያ ሮማና ኣገዳስን ናብ ሓድሽ መገዲ ዝድርኽን እዩ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሰበኻ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዶላን ዛዕባ ተሓድሶ ኵርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ኣባይቲ ምሕደራ ፍሉይ መጽናዕትን መብርህን ንምሃብ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ጒባኤ ካርዲናላት፥ “ኣዚዩ ዘተባብዕ” ኵነት እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ህልው ኵነታት ካብቶም ኣብ ግንባር ቀደም ዝርከቡ ካርዲናላት ብዙሕ ነገር ክንርዳእ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ ኢሎም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዩክረይን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ካልእ ብልጫ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጸውዕዎ ኣኼባ መላእ ካርዲናላት ምስቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ዘለዉ ካርዲናላት ብቐረባ ብምርኻብ ብድሆታት ምስማዕን ካብኦም ብዙሕ ትምህርቲ ንምርካብ ዝሓገዘ ምዃኑ እዩ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቲሞቲ ዶላን ክዀኑ እንከለዉ፥ እዞም ብተወሳኺ ንናይ ቀረባ ምብራቕ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምእመናንን ደሕንነት ዝሓልይ ማሕበር ኣቦ መንበር ኮይኖም እውን ዘገልግሉ ዘለዉ ካርዶናል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣኼባ ጒባኤ ካርዲናላት ዛዕባ እቲ ድሮ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሓዳሲ ሓዋርያዊ መዋቕር ኵርያ ሮማና ብፍላይ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነቶም ዝተጸገሙ ቀረባ ምዃን ውግእ ንምቅዋም ዘተባብዕ እውን እዩ ቢሎም፡ እቲ ካብ ዕለት 27 – 29 ነሓሰ ብቕዱስ ኣቦና ተመሪሑ ዝተኻየደ ኣኼባ ጒባኤ ካርዲናላት ብዛዕባ ሕዳሴ ኵርያ ሮማና ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ምዃኑ ገሊጾም።
ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝወጸ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፥ እንተ ወሓደ 12 ሚሊዮን ዝኾኑ ሰባት ብምኽንያት ውግእ ካብ መረበቶም ክሃድሙ ዝተገዱ ከም ዝኾኑን ካልኦት ብውሑዱ 5 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ካብ ዩክረይን ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ከም እተሰደን 7 ሚሊዮን ዝኾኑ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተመዛበለ እዩ። ሩሲያ ንዩክረይን ካብ እትወራ ንነጀው ኣስታት 2 ሚሊዮን ዝኾኑ ዩክረይናውያን ኣብ ፖላንድ ብዙሕት ካልኦት ከኣ ናብ ሃንጋርን ስሎቫኪያን ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እንገዳ ከም ዝረኸቡን ብዙሓት እውን ናብ ሃገር ይምለሱ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ካብቲ ኣዚዩ ጽንኩር ዝኾነ ከባቢ ዝመጹ ካርዲናላት ምስማዕ
ኣብቲ ኣኼባ ጒባኤ ካርዲናላት ካብቲ ውግእ ዝካየደሉን ኣዚዩ ጽንኵርን ዝዀነ ከባቢን ዝመጹ ካርዲናላት ምርኻቦም ብዛዕባ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ናይ ህዝቦምን ህልው ኵነታት ብቐረባ ሓበሬታ ክርከብ ዝሓገዘ ብምዃኑ ዓቢይ ትርጒም ዘለዎ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ኣብ ከባቢኡ ናይ ዘላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ እዩ፡ ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ዓለም መንበረ ጴጥሮስ ቀረባ ዝገብር ሓዋርያዊ ሓላፍነት ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ ቢሎም፥
ምስዞም ኣብ ግንበር ዘለዉ ካርዲናላት ንምዃንን ነቲ ብድሆታት ንምስማዕን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣገልግሎት ምዃን ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ምዃኑ ንምርኣይ ከምኡ እውን ነቲ ዓለም እተቕርቦ ጻውዒት ንምስማዕ እዩ።
ኣዚዩ ዘተባብዕ ርክብ
“ከም ብጾትን ኣሕዋትን መጠን ንቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ኣዚዩ ዘድልያ ግብራዊ ጒዳያት ብዓብዩ ብዛዕባ ግብረ ሰናይን ፍቕርን ኢና ዝተመያየጥና እዚ እውን ኣዚዩ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ስለዚ ተራኺብካ ክትመያየጥ ምኽኣል ዓቢይ ዕድል እዩ . . .” ኢሎም።
ኣብ ኵነታት ህልው ምዃን
ብጹዕነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዩክረይንን ዶብ ሃገራትን ከም ናይቲ ብፒዮስ መበል 11 ንኣሳዶን ንኻልእ ዝተፈላለየ ጸገማትን ዝቃላዕ ማሕበረ ክርስቲያን ንምሕጋዝ ኣሚቶም ናይ ዘቖሙዎ ንናይ ቀረባ ምብራቕ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምእመናንን ደሕንነት ዝሓልይ ማሕበር ኣቦ መንበር ምብጻሕ ከም ዘካየዱን ገሊጾም፥ ኣብ ህልው ኵነታት ናይ ህዝቢ ምርኻብ ህዝቢ ዝኾኖ ኴንካ ምንባር ብትኽኽል ቤተ ክርስቲያን ምዃን ማለት እዩ . . . ስለዚ እቲ ህዳሴ ኵርያ ሮማና ብሓጺሩ ነዚ እዩ ዘመላኽት እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።