ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ! ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ! 

ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ!

ማርያምን ዮሴፍን ናይ ቅዱስ ቍርባን ክልተ ገጻት እያቶም፥ ብሓደ ወገን ኣስተንትኖን ምርኻብን ምቕባልን ኣምልኾን በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ፋሲካ ምስግጋርን መግቢ ዕለታዊ ህይወትን ይገልጽ

ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ከተማ ሂጒይ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል ሚእቲ ዓመት ቀኖናዊ ዘውደ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምእልተ ጸጋ ኣደን ሓላዊትን ህዝቢ ዶመኒካውያን ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደባት ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ክውክሉ ብቕዱስነቶም ዝተላእኵ ፍሉይ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐይና ፓራ ነዚ መበል ሚእቲ ዓመት ኢዮበል ቀኖናዊ ዘውዲ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ መዕጸዊ ዕለት 15 ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሂጒይ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 15 -18 ነሓሰ ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ሓዋርያዊ ዑደት ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሓፈሻዊ ጒዳያት ትኵእ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐይና ፓራ ዕለት 15 ነሓሰ ሰንበት ኣብ ከተማ ሂጒይ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ተኪኦም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝሰርዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ በዓል እታ ኣደን ሓላዊትን ተባሂላ እትጽዋ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቀኖናዊ ዘውደ ውሳነ ዘማእከለ ከም ዝኾነን ብጹዕነቶም እቲ ኢዮበል ዝኽሪ መበል 100 ዓመት “ነቲ ኣብ ቅዱስ ቍርባን እንቕበሎ ኢየሱስ ናብ ዓለም ንኽመጽእ ዝተነብረ ተወፋይነት” ዘንጸባርቕ እዩ” ቢሎም እዚ ከኣ “መዓልታዊ ምስ ወንጌል ቅዱው ብዝኾነ ህይወት ንኣኡ ንኽንምስክር ዝተጸውዕና ምዃንና ዘዘኻኽረና ዕለት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ!
ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ!

ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፐይና ፓራ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ኣቐዲሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ በዓል ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላምታ ኣስሚዖም፥ ኣተኵሮኦም ናብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ ገይሮም፥ እቲ ምስሊ “ቅድስቲ ማርያም ነቲ ኣብ ሕቑፎኣ ዘሎ ወልደ እግዚኣብሔር ክትጥምት ዘርኢ” ምዃኑን “እዚ ድማ ቅዱስ ቍርባን ናብ ኣእምሮ ዘእቱ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ጥማቶ” እዩ፥ ኢየሱስ ንርእሱ ከም ህያው እንጌራ ንዓለም ከም ዘቕርበ” ዘመላኽትን ብድሕሪ ማርያም ኮይኑ እቲ ኣብ መንጐ ወልድን ኣደን ዝግበር ናይ ፍቕሪ ዘተ ከይቋረጽ ክፉት ማዕጾ ዝሓዘ ኣብ ኢዱ ሽምዓ ዝሓዘን እቲ ሽምዓ ከይጠፍእ ብሓዱ ኢዱ ነቲ ብርሃን ዝከላኸል ቅዱስ ዮሴፍ” ዘርኢ ቅዱስ ምስሊ እዩ። . . .  በዚ ገምሪ እዚ ማርያም ኣብ ናይ ህይወትን ታሪኽን መገዲ ምስና ሓቢራን ንጒዕዞ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዶመኒካን ንኸተሰንይ ንሕተታ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስተንትኖን ጒዕዞን

ማርያምን ዮሴፍን ናይ ቅዱስ ቍርባን ክልተ ገጻት እያቶም፥ ብሓደ ወገን ኣስተንትኖን ምርኻብን ምቕባልን ኣምልኾን በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ፋሲካ ምስግጋርን መግቢ ዕለታዊ ህይወትን ይገልጽ። . . . ንኽርስቶስ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክንቅበሎ እንኰለና ንኣኡ ናብ ህይወትና ነአንግድ ናብ ዓለም ድማ ይመጽእ። . . . ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ካብ ዕለታዊ ኵነታት ንምርሓቕ ዘይኮነስ ዕለታዊ ህይወት ብትብዓት ንምንባር ስለ ኢየሱስ ደው ንኽንብል ከም ዮሴፍ እግዚኣብሔር ከም ዝደለዮ ንኢየሱስ ናብ ዓለም ንኸነብጽሕ ዝድርኽ . . . ከም ያዕቆብን ዮሓንስን መስቀሉ ከምቲ ኣብ ጥምቀት ዝተመባጻዕናዮን መስቀሉ ክንሓቑፍ ድልዋት ንኽንከውን ነዛ ምድሪ ብሓዊ ፍቕሩ ንኸንጒህራ ይሓተና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ!
ሊቀ ጳጳሳት ፐይና ፓራ፥ ልክዕ ከም ማርያም ንኽርስቶስ ኣብ ሕይወትናን ዓለምን ንቀበሎ!

ንኢየሱስ ብሓባር ምስዓብ

ኣብ ገለ ገለ እዋን “ድዅማትን ሓጥኣንን” ስለ ዝኾንና ንኽርስቶስ ክንስዕቦ ዘይከኣለና ኮይኑ ይስምዓና ይኸውን . . . ከም ማርያምን ዮሴፍን ካልኦት ኵሎም ህይወቶም ንኣምላኽ ዘቕረቡ እምነትና ኣብኡ ምንባር እዩ . . . ብሓባር ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ኴይንና ንጓዓዝ . . . እቲ መገዲ ነዊሕ እ እውን እንተኾነ መንፈስ ጽቡቕ ድላይ ይሓትት . . . ስጋ ድዅም እዩ ምእንቲ እዚ ሓይሊ ኣምላኽን ፍቕሪ ኣሕዋትን ኣሓትና የድልየና . . . መስዋዕቲ ክንቅበል ኣብ ፈተና ንኸይንወድቕ ክንጽሊ ኣሎና፡ ልዕሊ ኵሉ ከም ማርያ ኣብቲ ንእምነት እሙን ኣብ ምዃን ዘሎ ፍጻመ ርግጸይናታት ንኽንከውን ናብኣ ንጠምት . . . ኵሉ ንማርያም ክጽልን ከም ቅዱስ ዮሴፍ ተኣዘዝትን ጽኑዓትን ተራን ትሕትናት ኣብ ኣገልግሎትን ክህልወና ደግፍናን ኣማልድልናን” ቢሎም ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 August 2022, 15:20