ድለ

2022.07.12 AMECEA Association of member episcopal conferences in eastern africa - Laudato si 2022.07.12 AMECEA Association of member episcopal conferences in eastern africa - Laudato si 

ርክብ ወይ ኮሚኒከይሽን ኤኮሎጂካዊ ዜግነት ከደንፍዕ ይኽእል! ሩፊኒ ኣብ ጉባኤ ኣመሰያ

ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ሩፊኒ ኣብ ታንዛንያ ተጋቢኦም ንዘለው ን10 መዓልታት ኣብ ዳሬሰላም ዝቅጽል ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመሰያ፡ ተረኺቦም ኣብ መንጎ እቲ ኣበው ክዛተዩሉ ተጋቢኦም ዘለው ዛዕባ ማለት ኣብ ምክንኻን ከባብን ርክብን ማለት ኮሚኒከይሽንን ዓሚቚ ተመሳሳልነት ከምዘሎ ገሊጾም። እዛ ሓባራዊት ገዛና እንብላ ተፈጥሮን ርክብን ኣብ ውህደትን ኣብ ነንሕድሕድካን ምስ ካልኦትን ኣብ ምጥንናግን ይምሥረቱ፣ ስለዚ ርክብ ምፍጣር ማለት ንዘሎካ ምስ ካልኦት ምክፋል እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ብዛዕባ ርክብ ወይውን ኮሚኒከይሽን እንክዝረብ ካብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንምሃሮ ብዙሕ ነገር ከምዘሎ ዝገለሹ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ በታ ላውዳቶ ሲ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ገቢሮም ‘ርክብ ኣብ መንጎ ሰባት ዝኽፈተሉ ብዛዕባ ከባቢ ብምሕታት ኰይኑ እዚ ርክብ ክሳብ ክንደይ ሓይሊ ከምዘለዎን ኣብ ሕልና ደቂሰባት ተሰሪቱ ሓላፍነቱ ዝስከም ሕልና ንምዂስኳስ እንክሕግዝ ማዕረ ህንጸት ዕንወት እውን ከስዕብ ከምዝኽእል ምግንዛብ የድሊ’ ኢሎም።፡

እዚ አመሰያ ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል (Association of Member Episcopal Conferences in Eastern Africa) ማለት ማሕበር ኣባላት ረኪበ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ  መበል 20 መደበኛ ጉባኤ ዘካይደሉ ኣብ ከተማ ዳረሰላም ሃገረ ታንዛንያ ኮይኑ ካብ ዕለት 8 ክሳብ 18 ሓምለ ዝተፈላለየ መደባት ሒዙ ቀንዲ ዛዕባ ከኣ ምክንኻን ከባቢ ኰይኑ ነዚ ምስታ ላውዳቶ ሲ ዝተመስገንካ ኩን እትብል ዓዋዲት መልእኽትን፡ እምነትን፡ ስነ ምግባር ኣብ ምክንኻን ኣከባቢ ዘተኮረን፡ ከምኡ’ውን ምክንኻን ውሁድ ኤኮሎጂ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ንውህደት ቤተ ክርስትያንን መንግስታዊ ምትሕብባርን ካልኦት ጉዳያትን ዘማእከለ ክኸውን ኢዩ።

ሓላፊ ላዕለዋቢቤትጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስት መንበር ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ዓለምና ሎሚ ብተክኖሎጂ ማዕቢላ ንብዙሕ ጸገማታ ንምፍታሕ ክትብል ብዙሕ ተክኒካዊ ነገራት ተተኣታቱ ኣላ፣ እዚ ግን ሳዕበን ዘይብሉ ኣይኮነን፤ ንመነባብሮ ሕይወትና ዝትንክፍ ነገራት ክህሉ ይኽእል፤ ብዙሕ ግዜ ንግድነታት ናይቶም ሥልጣን ዘለዎም ጥራይ ስለዝጥምት ገለ ገለ ምርጫታት መጋበሪ ናይዚኦም ክኾኑ ይኽእሉ። ስለዚ ነዚ ኣለሊኻ ንምኽኣል ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መበል 56 ዓለምሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ቅድስነቶም ዝበልዎ ‘ንኩሉ ነገር ብኣእዛን ልብና ክንሰምዖን ክነስተውዕለሉን በዚ ከኣ ብጥበብ ርክብ ክን ዓቢ ንኽ እል! ናይ ስነሓሳብ ወይውን ተክኒክ ዘይኮነ ልቢ ንልቢ ክተወሃሃብ እሂን ምሂን ቢልካ ንመን ከም እትሰም ዕን እንታይ ከም እትሰም ዕን ብከመይ ከም እትሰምዖን ምስ እተስተውዕልላብ ጥበብ ርክብ ክት ዓቢ ይከኣል’ ንዝብል ጠቂሶም፣ እቲ ብ1994 ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝተላበዎ ካብ ናይ ሰበኻታት መደበር ረድዮ ጀሚርካ ዝዓምበባ መራኸቢ ብዙሓን ሎሚ መብዛሕትኤን ምስ ረድዮ ቫቲካን ብምምሕዛው ነቲ ኣብዘን 70 ዓመት ብፍላይ ናብ ኣፍሪቃ ዘተኮረ ክፍልታት እንግሊዝ ፈረንሳ ፖርቱጊሽ ኪስዋሂሊ ኣምሓርኛ ትግርኛ ከማኡ እውን ብቋንቋ ሶማል ዕለት ዕለት ዝመሓላለፍ ንሕዝቢ ኣፍሪቃ ውሕስነት ዜና ምናዳ ከኣ ምስ ር.ሊ.ጳ ቅድስት መንበርን ናይ መላእ ዓለም ኣብያተክርስትያንን የተኣሳስር ኢሎም።

ኣባላት ኣመሰያ ኤርትራ ኢትዮጵያ ከንያ ማላዊ ሱዳን ደቡብ ሱዳን ታንዛንያ ኡጋንዳን ዛምብያን ኰይነንላብ ሓዋርያዊ ጒስነታው ኣገልግሎት ንክደጋገፋ ብ1961 ዘቆማኦ ማሕበር እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 July 2022, 17:19